Skip to content
Back to Performers
መዘምራን ር. ኣ. ቅዱስ ሚካኤል ከረን

መዘምራን ር. ኣ. ቅዱስ ሚካኤል ከረን

ChoirKeren

About

ታሪኽ ቍምስና ቅዱስ ሚካኤል ከረን እዚ ሕዝቢ ናይ ሎሚ ዞባ ዓንሰባ ካብ ራብዓይ ዘመነ ምሕረት አትሒዙ ከም በዓል አባ ሊባኖስ መጣዕን አባ ሓኒን ብዝአመሰሉ ፈስለስቲ ስለ ዝተሰብከን በብግዜኡ ፈሊሶም ዝመጹ ክርስትያን ስለዝተጸንበሩዎን፤ ካብ ጥንቲ ክርስትያን ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይከአለ፣ እንተዀነ ብሰንኪ ካብ መናብር ጳጳሳትን ትምህርትን ብምርሓቅን ምክንያት ገዳማት ማህሚነን ካህናት ሰል ዝተሳእኑን እቲ ክባቢ ብወራራትን ሁከትን ስለ ዝተናወጸን እቲ ክርስትና ተዳኺሙ ነበረ፣ አባ ዮሓንስ እስተላን ዮሴፍ ሳፐቶን አብ 26 ነሓሴ 1851 ዓ.ም.ፈ. አብ ከረን ላዕላይ ምስ በጽሑ፤ ሓደ ብኣጉዶ ዝተሰርሐ ቤተ ክርስትያን ቤተ ማርያም አብ ዳዕሮ ተጸጊዑ ከም ዝጸንሖምን ይግለጽ፣ እቶም በጻሕቲ ድማ አብኡ ሕጻናት ከም ዘጠመቁ፤ አብቲ እዋን እቲ ሕዝበ ክርስትያን ከረን ልማዳዊ ሥርዓተ አምልኾ ዘካይዱሉ ቤተ ክርስትያን እኳ እንተ ነበሮም፤ ሰአን ቀደስትን ዓደልቲ ምሥጢራትን ካህናት አብ ዓቢይ ጸገም ወዲቆም ነበሩ፣ አብ 1854 አባ ዮሓንስ ካብ ባጽዕ ተመሊሶም ንተዘሚቶም ከሰላ ዝተወስዱ 340 ዝኾኑ አንስትን ሕጻናትን አምለሱ። ቀጺሎም አጕዶ ቤተ ክርስትያን ሰርሑ እሞ ንኣሽቱን ዓመይትን አጠመቁ፤ እዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ካብ 1854 ክሳብ 1858 አገልገለት፣ ታቦቱ ግን ማርያም ድዩ ነይሩ ቅዱስ ሚካኤል ብርግጽ አይፍለጥን። ቤተ ክርስትያን ከረን አብ ትሕቲ ኵስሚ ቅዱስ ሚካኤል ንመጀመርያ ጊዜ፤ አብ 1858 ዓ.ም.ፈ ብመረባዕ ተሰርሐት፣ እዚኣ ቤተ ክርስትያን እዚአ ክሳብ 1869 አገልጊላ ብአውሎ ንፋስ ምስ ወደቀት፤ እዛ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስትያን ተሰሪሓ አብ 1875 ዓ.ም.ፈ ተጸንበለት። ቀቅድሚ ምጽንባላ ግን ብ22 ኅዳር 1875 ብሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ጽንዓታ ተመስከረላ። ይኹን እምበር ድሕሪኡ ብሳዕቤን ዉዕሊ ዓድዋ (ምምላስ በጐስን ኢትዮጵያ) ጸጥታ ስለ ዝተዘርገ፤ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል አብ 12 ጥቅምቲ 1884 ዓም ብሰረቅቲ ተዘርፈ፣ ብተወሳኺ እታ ቤተ ክርስትያን እዚ ህልው ቅርጻ ክትሕዝ፤ አብ 1895-96 ብማሕበር ካፑቺኒ ጕልላትን እንዳ ደወልን ተማልአ። ኮይኑ ግን ውግእ ብዘስ ዓቦ ምኽንያት እቲ ሕንጻ ስለ ዝተጐድአ በብግዜኡ ምት ዕርራያት ተገይሩሉ። ንአብነት ድሕሪ ካልአይ ውግእ ዓለም ብ 1941 አውራ ድማ ብ 1977 ብቀዳማይ ኵናት ምሕራር ከረን፣ ቍምስና ቅዱስ ሚካኤል ከረን፤ እተን አብ ከባቢአ ዝርከባ ዓድታት ነፍሰን ክሳብ አኽ እላ’ውን የገልግል ነበረ፣ አብ አገልግሎት እተን አብ ምድሪ ብሊን ዝርከባ ዓድታት፤ እቶም ቆሞሳት አብ ዘርአ ክህነት ብዝርከቡ ካህናት ይሕገዙ ነበሩ። ብመሠረት አብ 1919 ዝቀረበ ጸብጻብ፤ አብ ትሕቲ ቍምስና ከረን፤ ከተማ ከረን ጁፋን ከባቢአን፤ በጉን ከባቢአን፤ ግላስን ከባቢአን፤ ሰዂናን ከባቢአን፤ ባምቢን ከባቢአን፤ ሕመራይን ከባቢአን ይጠቃለላ ነበራ፣ ብ 1930 ዓ.ም.ፈ እዘን ዝተጠቅሳ ከባቢታት፤ሥርዓተ ግዕዝ ብደረጃ መንበር ምስ ተተኽለ እቲ ቆሞስ ከረን ሊቀ ካህናት ተሰየመ፣ ንሱ ዘገልግለን ቍምስናታት ድማ ከተማ ከረን፤ ዓዲ ሓሸል፤ ገብሲ፤ ባምቢ፤ ፋፍዳን ጁፋን ኮና፤ አብ ጁፋን ባምቢን ግን ካህናት ዘርአ ክህነት እውን ክሕግዙ ተመደቡ፣ ቍምስና ቅዱስ ሚካኤል፤ ከም መንበረ ሊቀ ካህናትን ቦታ ወርሓዊ ረኪበ ካህናት ሰበኻ ከረንን መጠን፤ ካህን ንዘይብለን ቍምስናታት መተካእታ ብምቅራብ እውን አገልገለት። ንማሕበራዊ አገልግሎት ብዝምልከት፤ ደናግል ደቂ ፍቅሪ ካብ 1878 እንዳ ዘኽታማትን ሕክምናን፤ አሕዋት ላሳል ድማ ካብ 1949 ዓም ቤት ትምህርቲ ከፊቶም ነበሩ፣ እዛ ብአሕዋት ላሳለ እትመሓደር ቤት ትምህርቲ ካብ 1956 ጀሚራ ትምህርቲ ክርስቶስ ከምዝመሃረት መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ካብ 1970 ንነጀው ግን፤ እታ አብ 1931-32 ንሥርዓት ላቲን ከተገልግል ዝተሰርሐት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ አንጦንዮስን እታ ብ1967 ዝተሰርሐት ቤተ ጸሎት ቅዱስ ዮሴፍ ላሳለን፤ ከምኡ እውን፤ እታ ብ 1974 አቢሉ ዝተሰርሐት ቤተ ጸሎት ቅድስት ሥላሴ በዛ ባንዳ ንሕዝቢ ተደራቢ አገልግሎት ከወፍያ ጀመራ፣ አብ 1960’ታት ውግእ ምስ በዝሐ ሕዝቢ ም እንቲ ሕይወቱ ከድሕን ካብ በጉ፤ ጀንገረን፤ ሽናራን፤ ሻርክን ናብ ክረን ተሰደ። እዘን ዝተጠቕሳ ድማ ምስ ቍምስና ቅዱስ ሚካኤል ሓቢረን ነቶም ግፉ ዓት መንፈሳዊ አገልግሎት ክህባ ንረኽበን፣ ሎሚ ብዘይካ እተን መንፈሳዊ አገልግሎት ዝህባ አብያተ ክርስትያን ርእሰ አድባራት ደብረ ቅዱስ ሚካኤልን አብያተ ጸሎት ቅዱስ ዮሴፍን ቅዱስ አንጦንዮስን ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳን፤ ካልኦት ካቶሊካውያን ተቍዋማት፤ ከም ንንግደትን ጸሎትን ዚዝውተር ማርያም ደዓሪት፤ መዕበይን መእለይን ዘኽታማት ቅዱስቲ አኘስን እንዳ ፎካን፤ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ዮሴፍ ላሳል፤ መዋዕለ ሕጻናትን ቤት ትምህርቲ ቅድን ስፌትን ክዳን ቅድስት ሃና፤ ብማሕበር ደቂ ፍቅሪ ዝእለ መዋዕለ ሕጻናት፤ ቤት ትምህርቲ ቅድን ስፌትን ክዳን ገዛባንዳ፣ ከምኡ እውን በዘን ደናግል ዚካየዳ ሚኒ ሆስፒታል ዋሊኩን፤ ብማሕበር ተራዳእያት ዝእለ ቤት ማሕተም ... ወዘተ ይርከባ፣ አብ ርእሲ’ ዚ ብዘይካ እቲ ንኹሉ መንፈሳውን ማሕበራውን አገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዚመርሕን ዘካይድን መንበረ ጵጵስናን (ኤጳርቅና)፤ ንኡስ ዘርአ ክህነት ሰበኻ፤ ገዳማት ላሳለን ሲታውያንን ይርከብ።

Mezmur

Loading Mezmurs...

Albums

Loading Albums...