ኣምላኽ ፍቅሪ እዩ
Lyrics
ፍቅሪ መስዋእቲ ከም ዝሓትት
ርእየዮ እየ ኣብ መስቀል ቀራንዮ
ካሕሳ ሓጥያተይ ጎይታ ዝኸፈሎ ክብሪ ነዓኻ(4)
ተመስገን ኣምላኸይ ኣብ ጽላልካ ምዕቓበይ (2)
ድኹም ሕልናይ ብመንፈስካ ይሕደስ
ሓጥያተይ ኣንጺሕካ ናብ መንገድኻ ክምለስ
ክንዲ ኩሉ ህያብ እምነት ኣብ ልበይ ሰዂዕካ
ብጥዋፍ ምሕረትካ ሰላመይ ዘብራህካ
ክሕይል ዘጽናዕካ
ኣምላኸይ ፍቅሪ ኢኻ ካብ ምንታይ ከይሓፍር (2)
ነቲ ዝደረቀ ልበይ ምሕረትካ ክቅበል
ንጽሕና ተዓጢቀ ነዓኻ ክነብር ከኽብር
ቒምታ ዘይትጾረኒ ጾር ኮይና ኣብ ጥፍኣት ተንብር
ፍቅሪ ግና ትጾረኒ ማሙቅ ኮይና ጸጋኡ ተሕድር
ኣምላኽ ፍቅሪ ካብ ኮነ
ንብጻየይ ተፍቀርኩ ንእየሱስ ኣፍቀርኩ
ዝለገሰለይ መስዋእቲ ንዕኡ እንተ ኣጽናዕኩ
ናይ ዘልኣለም ቤተይ ኣብ ዑቅባኡ ዘዕቆብኩ
ናይዛ ምድሪ ጽንሖተይ ግዝያዊ ምኻኑ
ኣካይዳይ ኣጸቢቀ ኣካይዳይ ኣንጺሀ
ፍቅሪ ተመጊበ ሓጎስ ክሓፍስ
ኣብ ላዕለዋይ ቤትካ ብስምካ ክነግስ
ንሰናይ ንዕየ(2) ንሰናይ ንስዓብ(2)
ብፍቅሪ ሓይልና ብፍቅሪ ክንጸግብ
ናይቲ ሕያው ቤት ንምውራስ ካብ ሓጥያት ንናገፍ
ሓድሕድ ንፈቃቀር ኣብ ሰማይ ቤት ክንወርስ
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ኣምላኽ ፍቅሪ እዩ
Amlak Fqri Eyu
VERSE 1
ፍቅሪ መስዋእቲ ከም ዝሓትት
ርእየዮ እየ ኣብ መስቀል ቀራንዮ
ካሕሳ ሓጥያተይ ጎይታ ዝኸፈሎ ክብሪ ነዓኻ(4)
ተመስገን ኣምላኸይ ኣብ ጽላልካ ምዕቓበይ (2)
VERSE 2
ድኹም ሕልናይ ብመንፈስካ ይሕደስ
ሓጥያተይ ኣንጺሕካ ናብ መንገድኻ ክምለስ
ክንዲ ኩሉ ህያብ እምነት ኣብ ልበይ ሰዂዕካ
ብጥዋፍ ምሕረትካ ሰላመይ ዘብራህካ
ክሕይል ዘጽናዕካ
CHORUS
ኣምላኸይ ፍቅሪ ኢኻ ካብ ምንታይ ከይሓፍር (2)
ነቲ ዝደረቀ ልበይ ምሕረትካ ክቅበል
ንጽሕና ተዓጢቀ ነዓኻ ክነብር ከኽብር
ቒምታ ዘይትጾረኒ ጾር ኮይና ኣብ ጥፍኣት ተንብር
ፍቅሪ ግና ትጾረኒ ማሙቅ ኮይና ጸጋኡ ተሕድር
VERSE 3
ኣምላኽ ፍቅሪ ካብ ኮነ
ንብጻየይ ተፍቀርኩ ንእየሱስ ኣፍቀርኩ
ዝለገሰለይ መስዋእቲ ንዕኡ እንተ ኣጽናዕኩ
ናይ ዘልኣለም ቤተይ ኣብ ዑቅባኡ ዘዕቆብኩ
VERSE 4
ናይዛ ምድሪ ጽንሖተይ ግዝያዊ ምኻኑ
ኣካይዳይ ኣጸቢቀ ኣካይዳይ ኣንጺሀ
ፍቅሪ ተመጊበ ሓጎስ ክሓፍስ
ኣብ ላዕለዋይ ቤትካ ብስምካ ክነግስ
Outro
ንሰናይ ንዕየ(2) ንሰናይ ንስዓብ(2)
ብፍቅሪ ሓይልና ብፍቅሪ ክንጸግብ
ናይቲ ሕያው ቤት ንምውራስ ካብ ሓጥያት ንናገፍ
ሓድሕድ ንፈቃቀር ኣብ ሰማይ ቤት ክንወርስ