ኣንብረለይ ኢድካ
Lyrics
ብክፉእ ሓሳብ ምስ ተኸለልኩ
ኣቦ ብጽሒተይ ሃበኒ ክብል ተዛረብኩ
ዘለኒ ጠርኒፈ ናብ ርሑቕ ገስገስኩ
ንስጋይ ዝሕጉስ ትምኒተይ’ውን ረኸብኩ
ርሕሩሕ ኣቦይ ግን ካብ ዝወጽእ ኣትሒዝካ
ብኽፉእ ተግባረይ ብመሪር ሓዚንካ
ግን ንግብረይ ብዓቢ ምሕረት ጠሚትካ
ተማዕዱ ነበርካ ክምለስ ናብ ቤትካ
ኣብቲ ዓዲ ጓና ስሒቐ ዓንዲረ
ብዕብዳን ጽላለ ፈቐዶ ሓዲረ
ኣየቕለብኩሉን ሃብተይ እንክዝረ
ኩሉ ጠሊሙኒ ጁባይ ምስ ዓወረ
ብመሪር ስእነት ምስ ተኸለልኩ
ተረፍ ሓሳሙ ሃረር ኢለ ምስ ሰኣንኩ
ናብ ኣቦይ ክኸይድ ከምዚ ክብል እናበልኩ
ሕስረት ተጎልቢበ ቤቱ ተመለስኩ
ኣቦየ መወዳእታ ዘይብሉ በደል በዲለካ
ባርያ ግበረኒ ትሕቲ ኩሎም ባሮትካ
ኣነስ ኣይበቅዕንየ ክበሃል ውሉድካ
ደንግጸለይ ኣቦየ ኣንብረለይ ኢድካ (8)
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ኣንብረለይ ኢድካ
Anbreley Idka
VERSE 1
ብክፉእ ሓሳብ ምስ ተኸለልኩ
ኣቦ ብጽሒተይ ሃበኒ ክብል ተዛረብኩ
ዘለኒ ጠርኒፈ ናብ ርሑቕ ገስገስኩ
ንስጋይ ዝሕጉስ ትምኒተይ’ውን ረኸብኩ
ርሕሩሕ ኣቦይ ግን ካብ ዝወጽእ ኣትሒዝካ
ብኽፉእ ተግባረይ ብመሪር ሓዚንካ
ግን ንግብረይ ብዓቢ ምሕረት ጠሚትካ
ተማዕዱ ነበርካ ክምለስ ናብ ቤትካ
VERSE 2
ኣብቲ ዓዲ ጓና ስሒቐ ዓንዲረ
ብዕብዳን ጽላለ ፈቐዶ ሓዲረ
ኣየቕለብኩሉን ሃብተይ እንክዝረ
ኩሉ ጠሊሙኒ ጁባይ ምስ ዓወረ
ብመሪር ስእነት ምስ ተኸለልኩ
ተረፍ ሓሳሙ ሃረር ኢለ ምስ ሰኣንኩ
ናብ ኣቦይ ክኸይድ ከምዚ ክብል እናበልኩ
ሕስረት ተጎልቢበ ቤቱ ተመለስኩ
Outro
ኣቦየ መወዳእታ ዘይብሉ በደል በዲለካ
ባርያ ግበረኒ ትሕቲ ኩሎም ባሮትካ
ኣነስ ኣይበቅዕንየ ክበሃል ውሉድካ
ደንግጸለይ ኣቦየ ኣንብረለይ ኢድካ (8)