Loading Projector Mode…
VERSE 1
ብክፉእ ሓሳብ ምስ ተኸለልኩ
ኣቦ ብጽሒተይ ሃበኒ ክብል ተዛረብኩ
ዘለኒ ጠርኒፈ ናብ ርሑቕ ገስገስኩ
ንስጋይ ዝሕጉስ ትምኒተይ’ውን ረኸብኩ
ርሕሩሕ ኣቦይ ግን ካብ ዝወጽእ ኣትሒዝካ
ብኽፉእ ተግባረይ ብመሪር ሓዚንካ
ግን ንግብረይ ብዓቢ ምሕረት ጠሚትካ
ተማዕዱ ነበርካ ክምለስ ናብ ቤትካ