ውሉድ ተስፋ
Lyrics
ፍትወት ዓለም ድሌት ስጋ ሒዙኒ
ህርፋን ሃብቲ ስስዐ ገንዘብ ወሪሩኒ
ግርማ ለቢሱ ዘብለጭልጭ ዓይነይ ማሪክዎ (2)
ግዝኣት ዓለም በርቲዑኒ...በርቲዑኒ
ጭፍራ ሰይጣን ጎቢጡኒ... ጎቢጡኒ
ምቁሕ ሰንሰለት ዓለም ኣሲሩኒ...ኣሲሩኒ
ዕምቆት ባሕሪ ስልሚ ኮይኑ ውሒጡኒ...ውሒጡኒ
ረዲኤት ክጽውዕ (2) ኣፈይ ከፊተ
ልሳነይ ግዒሩ ኣካለይ ኣንቀጥቀጠ
ኣሰረይ ሲዒቡ (2) ከም ንፋስ ዝጎዩ
ህቦብላ ሓዊ ረመጽ ኮይኑኒ
ንቅድሚት ይጎይ (2) መዕቐቢ ከናዲ
ውሉደይ ኢሉ ዘናግፈኒ
ንዓካ ክረክብ እናተጸዓርኩ
በሊሕ ሰይፉ ኣብ ቅድመይ ተተኪሉ
ጉዕዘይ ክኩለፍ ተስፋ ክቆርጽ
ኣብ ማሕንቆ ኣትየ ብጸበባ ክጭፍለቅ (2)
ኣእዳወይ ዘርጊሐ ንሰማይ ኣንቃዕሪረ
ሰራዊትካ ክጽውዕ ከናፍረይ ኣድመጸ
ደጋጊመ ጸዋዕኩ ብዙሕ ውን ደከምኩ
ዓይነይ ከፊተ ንተስፋ ኣማዕደኩ
ደመና ሰማይ ኣፍደገ ከፍቱ
ከዋክብቲ ሰማይ ኣብ ዙርያ ተስፋ የንጸባርቁ
ወርሕን ጸሓይን ንክብራ ይደምቁ ... ንክብራ ይደምቁ
ኩሎም ደቂተስፋ ሲለኣ ይሰግዱ... ሲለኣ ይሰግዱ...ሲለኣ ይሰግዱ
ሓይሊ ወሲከ(2) ትብዓት ረከብኩ
ንተስፋ ክረክባ መንገደይ ቀጸልኩ
ንኩሎም ጸላእተይ... ጸላእተይ ብተስፋ ሰዓርኩ
ንዓዘቅቲ ሓጢኣት ውን ሰገርኩ
ንተስፋ ክረክባ ... ክረክባ ናብ ኣቦ ክበጽሕ
ጥጡሕ ክረግጽ ሂወተይ ክመርሕ
ሓቂ ሰሪቀ ብርሃን ተስፋ ኣብ ገጸይ ክበርህ
ንዘልኣለም ቤቱ ውን ክወርስ
ምስቶም ቅዱሳን እውን ክሓብር
ኣብ ሰማይ ገነት ብሓጎስ ክነብር... ብሓጎስ ክነብር
ንክብሪ ዝፋኑ እውን ክውድስ.. እውን ክዝምር
ክብሪ ምስጋና ንዓካ ንዘልኣለም
ህያው ንጉስ
ብመገዲ ሓቂ ዝመራሕካኒ
ውሉድ ተስፋ ኢልካ ዝቐባእካኒ
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ውሉድ ተስፋ
Wlud Tesfa
VERSE 1
ፍትወት ዓለም ድሌት ስጋ ሒዙኒ
ህርፋን ሃብቲ ስስዐ ገንዘብ ወሪሩኒ
ግርማ ለቢሱ ዘብለጭልጭ ዓይነይ ማሪክዎ (2)
VERSE 2
ግዝኣት ዓለም በርቲዑኒ...በርቲዑኒ
ጭፍራ ሰይጣን ጎቢጡኒ... ጎቢጡኒ
ምቁሕ ሰንሰለት ዓለም ኣሲሩኒ...ኣሲሩኒ
ዕምቆት ባሕሪ ስልሚ ኮይኑ ውሒጡኒ...ውሒጡኒ
CHORUS
ረዲኤት ክጽውዕ (2) ኣፈይ ከፊተ
ልሳነይ ግዒሩ ኣካለይ ኣንቀጥቀጠ
ኣሰረይ ሲዒቡ (2) ከም ንፋስ ዝጎዩ
ህቦብላ ሓዊ ረመጽ ኮይኑኒ
ንቅድሚት ይጎይ (2) መዕቐቢ ከናዲ
ውሉደይ ኢሉ ዘናግፈኒ
VERSE 3
ንዓካ ክረክብ እናተጸዓርኩ
በሊሕ ሰይፉ ኣብ ቅድመይ ተተኪሉ
ጉዕዘይ ክኩለፍ ተስፋ ክቆርጽ
ኣብ ማሕንቆ ኣትየ ብጸበባ ክጭፍለቅ (2)
VERSE 4
ኣእዳወይ ዘርጊሐ ንሰማይ ኣንቃዕሪረ
ሰራዊትካ ክጽውዕ ከናፍረይ ኣድመጸ
ደጋጊመ ጸዋዕኩ ብዙሕ ውን ደከምኩ
ዓይነይ ከፊተ ንተስፋ ኣማዕደኩ
VERSE 5
ደመና ሰማይ ኣፍደገ ከፍቱ
ከዋክብቲ ሰማይ ኣብ ዙርያ ተስፋ የንጸባርቁ
ወርሕን ጸሓይን ንክብራ ይደምቁ ... ንክብራ ይደምቁ
ኩሎም ደቂተስፋ ሲለኣ ይሰግዱ... ሲለኣ ይሰግዱ...ሲለኣ ይሰግዱ
CHORUS
ሓይሊ ወሲከ(2) ትብዓት ረከብኩ
ንተስፋ ክረክባ መንገደይ ቀጸልኩ
ንኩሎም ጸላእተይ... ጸላእተይ ብተስፋ ሰዓርኩ
ንዓዘቅቲ ሓጢኣት ውን ሰገርኩ
ንተስፋ ክረክባ ... ክረክባ ናብ ኣቦ ክበጽሕ
ጥጡሕ ክረግጽ ሂወተይ ክመርሕ
VERSE 6
ሓቂ ሰሪቀ ብርሃን ተስፋ ኣብ ገጸይ ክበርህ
ንዘልኣለም ቤቱ ውን ክወርስ
ምስቶም ቅዱሳን እውን ክሓብር
ኣብ ሰማይ ገነት ብሓጎስ ክነብር... ብሓጎስ ክነብር
ንክብሪ ዝፋኑ እውን ክውድስ.. እውን ክዝምር
ክብሪ ምስጋና ንዓካ ንዘልኣለም
ህያው ንጉስ
ብመገዲ ሓቂ ዝመራሕካኒ
ውሉድ ተስፋ ኢልካ ዝቐባእካኒ