ጥዑም ኢዩ ኣጸድካ
Lyrics
ተመስገን ክብለካ ኣንቂደ ካብ ልበይ
ተባረኽ ክብለካ ኣልዒለ ደሃየይ
ክብሪ ምስ ምስጋና ከቕርብ ኣብ ዙፋንካ
ከምልኽ ክሰግድ ዕጣን ክዓጥነልካ
ንዓመታት ብእምነት ከገልግል ኣብ ቤትካ
ብቕንኣት ክጎዪ ንድሕነት ነፍሳትካ
ካባይ ኣይኮነን ካብ ክእለተይ
ብጸጋኻ`ዩ ኮይኑ ዓወተይ
ሳላ ሓይልኻ ደው ኢለ
ሳላ ደገፍካ ተበራቲዐ
ዓቢ (2) ኢኻ ኦ ኣምላኸይ
ልዑል (2) ኢኻ ኦ ጎይታይ
ግኑን (2) ኢኻ ንጉሰይ
ንድኹም ምስጋናይ ተቐበል ኢየሱሰይ
ከም ዘብህግ ሽታ ሸትቶ ዕጣነይ
ናይ ፍቕሪ ንብዓተይ ዕቖሮ ፍትወይ
ከመስግን ክውድስ ኣንቅሓዮ ልበይ
ጥዑም ኢዩ ምንባር ኣብ ኣጸድካ ኣምላኸይ
ንሰናየይ ኮይኑለይ `ቲ ኩሉ ድኻመይ
ካብ ሃብትን ስልማትን ይምረጽ`ቲ ማሕደርካ
ሰላምን ዕረፍትን ኣለዎ ዙፋንካ
ምሳኻ መሪጸ ጠንጢነያ ዓለም
መንገደይ በሪሁ ተቐንጢጡ`ቲ ጸላም
ነዚ ኩሉ`ውን ምስክር`የ
ዝገበረለይ ከውርዮ`የ
ዝሓባእክዎ ኣብ ልበይ
ይደፍኣኒ`ሎ ፍቕሪ ኣምላኸይ
ዓቢ (2) ኢኻ ኦ ኣምላኸይ
ልዑል (2) ኢኻ ኦ ጎይታይ
ግኑን (2) ኢኻ ንጉሰይ
ንድኹም ምስጋናይ ተቐበል ኢየሱሰይ
ከም ዘብህግ ሽታ ሸትቶ ዕጣነይ
ናይ ፍቕሪ ንብዓተይ ዕቖሮ ፍትወይ
ከመስግን ክውድስ ኣንቅሓዮ ልበይ
ካብ ሽሕ ዓመታት ምንባር ምስ ረሲኣን
ይበልጽ ኣብ ቤት ኣምላኽ ሓላዊ ደገ ምዃን
ነዚ ፈሊጣ ነፍሰይ ጠሚታ ናብ ጎይታ
ብሃብቲ በረኸቱ ከጽግብ ድሌታ
ንዑ ናብ ቤት ኣምላኽ ሓቢርና ንገስግስ
ንተንስእ ንለዓል ንጥፉኣት ክንመልስ
ሓልዮትና ኩሉ ናብኡ ኣውዲቕና
ንዑ ንስዓቦ ዘሎና ሼጥና
ሰማያዊት ቤት ንኽንወርሳ
ምድራዊት ቤትና ንቐድሳ
ዓቢ (2) ኢኻ ኦ ኣምላኸይ
ልዑል (2) ኢኻ ኦ ጎይታይ
ግኑን (2) ኢኻ ንጉሰይ
ንድኹም ምስጋናይ ተቐበል ኢየሱሰይ
ከም ዘብህግ ሽታ ሸትቶ ዕጣነይ
ናይ ፍቕሪ ንብዓተይ ዕቖሮ ፍትወይ
ከመስግን ክውድስ ኣንቅሓዮ ልበይ (2)
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ጥዑም ኢዩ ኣጸድካ
Tum eyu atsedka
VERSE 1
ተመስገን ክብለካ ኣንቂደ ካብ ልበይ
ተባረኽ ክብለካ ኣልዒለ ደሃየይ
ክብሪ ምስ ምስጋና ከቕርብ ኣብ ዙፋንካ
ከምልኽ ክሰግድ ዕጣን ክዓጥነልካ
ንዓመታት ብእምነት ከገልግል ኣብ ቤትካ
ብቕንኣት ክጎዪ ንድሕነት ነፍሳትካ
ካባይ ኣይኮነን ካብ ክእለተይ
ብጸጋኻ`ዩ ኮይኑ ዓወተይ
ሳላ ሓይልኻ ደው ኢለ
ሳላ ደገፍካ ተበራቲዐ
CHORUS
ዓቢ (2) ኢኻ ኦ ኣምላኸይ
ልዑል (2) ኢኻ ኦ ጎይታይ
ግኑን (2) ኢኻ ንጉሰይ
ንድኹም ምስጋናይ ተቐበል ኢየሱሰይ
ከም ዘብህግ ሽታ ሸትቶ ዕጣነይ
ናይ ፍቕሪ ንብዓተይ ዕቖሮ ፍትወይ
ከመስግን ክውድስ ኣንቅሓዮ ልበይ
VERSE 2
ጥዑም ኢዩ ምንባር ኣብ ኣጸድካ ኣምላኸይ
ንሰናየይ ኮይኑለይ `ቲ ኩሉ ድኻመይ
ካብ ሃብትን ስልማትን ይምረጽ`ቲ ማሕደርካ
ሰላምን ዕረፍትን ኣለዎ ዙፋንካ
ምሳኻ መሪጸ ጠንጢነያ ዓለም
መንገደይ በሪሁ ተቐንጢጡ`ቲ ጸላም
ነዚ ኩሉ`ውን ምስክር`የ
ዝገበረለይ ከውርዮ`የ
ዝሓባእክዎ ኣብ ልበይ
ይደፍኣኒ`ሎ ፍቕሪ ኣምላኸይ
CHORUS
ዓቢ (2) ኢኻ ኦ ኣምላኸይ
ልዑል (2) ኢኻ ኦ ጎይታይ
ግኑን (2) ኢኻ ንጉሰይ
ንድኹም ምስጋናይ ተቐበል ኢየሱሰይ
ከም ዘብህግ ሽታ ሸትቶ ዕጣነይ
ናይ ፍቕሪ ንብዓተይ ዕቖሮ ፍትወይ
ከመስግን ክውድስ ኣንቅሓዮ ልበይ
VERSE 3
ካብ ሽሕ ዓመታት ምንባር ምስ ረሲኣን
ይበልጽ ኣብ ቤት ኣምላኽ ሓላዊ ደገ ምዃን
ነዚ ፈሊጣ ነፍሰይ ጠሚታ ናብ ጎይታ
ብሃብቲ በረኸቱ ከጽግብ ድሌታ
ንዑ ናብ ቤት ኣምላኽ ሓቢርና ንገስግስ
ንተንስእ ንለዓል ንጥፉኣት ክንመልስ
ሓልዮትና ኩሉ ናብኡ ኣውዲቕና
ንዑ ንስዓቦ ዘሎና ሼጥና
ሰማያዊት ቤት ንኽንወርሳ
ምድራዊት ቤትና ንቐድሳ
CHORUS
ዓቢ (2) ኢኻ ኦ ኣምላኸይ
ልዑል (2) ኢኻ ኦ ጎይታይ
ግኑን (2) ኢኻ ንጉሰይ
ንድኹም ምስጋናይ ተቐበል ኢየሱሰይ
ከም ዘብህግ ሽታ ሸትቶ ዕጣነይ
ናይ ፍቕሪ ንብዓተይ ዕቖሮ ፍትወይ
ከመስግን ክውድስ ኣንቅሓዮ ልበይ (2)