ሰናይካ'ዩ ዘሰንየኒ
Lyrics
ኣብዚ ሕሉፍ ዕምረይ ዘሕለፍክዎ
ላዕልን ታሕትን ኢለ ዘጥረኽዎ
ሓደ'ኳ ኣይወነንኩን ባህ ዝብለኒ
ስስዐ የዒንተይ ጎልቢቡኒ
እንትርፎ ክሳራ’ምበር የለን መኽሰብ
ብምባል ንብሕተይ እንክሓስብ
ሃንደበት መንገድኻ ረኸብክዎ
ጉዕዞይ ክፍልም እግረይ ኣንበርክዎ
ጸሓይ በሪቓ ክሳብ እትሃትፍ
ሃቲፋ ድማ ክሳብ እትቕልቀል
ለካ(ጎይታ) ሰናይካ’ዩ ዘሰንየኒ
ለይትን ቀትርን መንገደይ ዝመርሓኒ
ናይ እምነት መንገደይ ስኢነዮ
የማን ጸጋም በልኩ ከለልዮ
ምንባር ኣብዛዓለም ኣጽሊኡኒ
ጣዕሳ ኮይኑ መግበይ መሪሩኒ
ሳላኻ ግን ሳላ ሓያል ኢየሱሰይ
በኣኻ’ወ ተሓዲሱ መንፈሰይ
ካብ ማሕዩር ዓዘቕቲ ሞት ኣውጺእካኒ
እነኹ’ኳ ይዝምር ባህ ኢሉኒ
ጸሓይ በሪቓ ክሳብ እትሃትፍ
ሃቲፋ ድማ ክሳብ እትቕልቀል
ለካ(ጎይታ) ሰናይካ’ዩ ዘሰንየኒ
ለይትን ቀትርን መንገደይ ዝመርሓኒ
ዕላማ ምፍጣረይ ኣቕለብኩሉ
ኢየሱስ ከም ንጉሰይ ኣመንኩሉ
እንካብ ሽዑ ልበይ ተሓጒሳ
ንዕኡ ተመስግን መመሊሳ
እንቛዕ እኳ ኣይኮነት ኣብ ዕርበቱ
ሕይወተይ ምስ ጠፍአት ብኸንቱ
ብኣጋ ኣድሒንዋ መድሓንየይ
ስለዚ ይመስገኖ ፈጣርየይ
ጸሓይ በሪቓ ክሳብ እትሃትፍ
ሃቲፋ ድማ ክሳብ እትቕልቀል
ለካ(ጎይታ) ሰናይካ’ዩ ዘሰንየኒ
ለይትን ቀትርን መንገደይ ዝመርሓኒ
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ሰናይካ'ዩ ዘሰንየኒ
Senayka eyu zesnyeni
VERSE 1
ኣብዚ ሕሉፍ ዕምረይ ዘሕለፍክዎ
ላዕልን ታሕትን ኢለ ዘጥረኽዎ
ሓደ'ኳ ኣይወነንኩን ባህ ዝብለኒ
ስስዐ የዒንተይ ጎልቢቡኒ
እንትርፎ ክሳራ’ምበር የለን መኽሰብ
ብምባል ንብሕተይ እንክሓስብ
ሃንደበት መንገድኻ ረኸብክዎ
ጉዕዞይ ክፍልም እግረይ ኣንበርክዎ
CHORUS
ጸሓይ በሪቓ ክሳብ እትሃትፍ
ሃቲፋ ድማ ክሳብ እትቕልቀል
ለካ(ጎይታ) ሰናይካ’ዩ ዘሰንየኒ
ለይትን ቀትርን መንገደይ ዝመርሓኒ
VERSE 2
ናይ እምነት መንገደይ ስኢነዮ
የማን ጸጋም በልኩ ከለልዮ
ምንባር ኣብዛዓለም ኣጽሊኡኒ
ጣዕሳ ኮይኑ መግበይ መሪሩኒ
ሳላኻ ግን ሳላ ሓያል ኢየሱሰይ
በኣኻ’ወ ተሓዲሱ መንፈሰይ
ካብ ማሕዩር ዓዘቕቲ ሞት ኣውጺእካኒ
እነኹ’ኳ ይዝምር ባህ ኢሉኒ
CHORUS
ጸሓይ በሪቓ ክሳብ እትሃትፍ
ሃቲፋ ድማ ክሳብ እትቕልቀል
ለካ(ጎይታ) ሰናይካ’ዩ ዘሰንየኒ
ለይትን ቀትርን መንገደይ ዝመርሓኒ
VERSE 3
ዕላማ ምፍጣረይ ኣቕለብኩሉ
ኢየሱስ ከም ንጉሰይ ኣመንኩሉ
እንካብ ሽዑ ልበይ ተሓጒሳ
ንዕኡ ተመስግን መመሊሳ
እንቛዕ እኳ ኣይኮነት ኣብ ዕርበቱ
ሕይወተይ ምስ ጠፍአት ብኸንቱ
ብኣጋ ኣድሒንዋ መድሓንየይ
ስለዚ ይመስገኖ ፈጣርየይ
CHORUS
ጸሓይ በሪቓ ክሳብ እትሃትፍ
ሃቲፋ ድማ ክሳብ እትቕልቀል
ለካ(ጎይታ) ሰናይካ’ዩ ዘሰንየኒ
ለይትን ቀትርን መንገደይ ዝመርሓኒ