ሳላ'ቲ ክቡር ደምካ
Lyrics
ነፍሰይ ዓልሊ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዘምሪ
ኣብ መስቀል ቀራንዮ ምእንታኺ ፡ካብ ሓጢኣት ኣዳም ክትገላገሊ
ነፍሰይ ዓልሊ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣበስሪ
ኣብ መስቀል ቀራንዮ ምእንታኺ ፡ ካብ ባርነት ሓጢኣት ክትገላገሊ
ንመስቀልካ ጼርካ ጎልጎታ ክትድይብ
ነቲ ቅዱስ ኣቦ መስዋዕቲ ሓጢኣተይ ከተቕርብ
ኣየ ፍሉይ ፍቕሪ ጎይታየ ፍቕርኻ
ከመይ'ለ ክገልጾ እየሱሰይ /2/ ውዕለትካ
ፈጣሪ ክነስኻ ስለይ ሓጥእ ሞትካ
ፍቕሪ'ዩ ምስጢሩ ዕምቆት መስዋዕትኻ
ትሕትና ከተምህር ኣይመረጸን ደስታ
ሕይወተይ ቀድሶ በቲ ክቡር ደምካ /3/
ሓዲግ ሰማይ ምድሪ ተንጠልጢልካ ከሎኻ
ብብርቱዕ መግረፍቲ ሓሞት መጺጽ እናኣስተዩኻ
ምሓሮም እናበልካ ዝገበርካ ይቕሬታ
ኣበሳይ ብብዝሒ ምሕረትካ ረኺቡ መፈጸምታ
ከም ፈልፋል ዓይኒ ማይ ደምካ እናዛረየ
መድሃኒት ኮይኑኒ ከይውሕጠኒ ትካዘ
ምስጋና'ዩ ዓቕመይ ካብ ልበይ ዝነቐለ
ዕልል ዕልል ክብል ብመዝሙረይ ገይረ
ዕልል ዕልል ክብል ብሽብሸባይ ገይረ
ዕልል ዕልል ክብል ብኣምልኾይ ገይረ
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ሳላ'ቲ ክቡር ደምካ
Sala eti kbur demka
VERSE 1
ነፍሰይ ዓልሊ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዘምሪ
ኣብ መስቀል ቀራንዮ ምእንታኺ ፡ካብ ሓጢኣት ኣዳም ክትገላገሊ
ነፍሰይ ዓልሊ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣበስሪ
ኣብ መስቀል ቀራንዮ ምእንታኺ ፡ ካብ ባርነት ሓጢኣት ክትገላገሊ
VERSE 2
ንመስቀልካ ጼርካ ጎልጎታ ክትድይብ
ነቲ ቅዱስ ኣቦ መስዋዕቲ ሓጢኣተይ ከተቕርብ
ኣየ ፍሉይ ፍቕሪ ጎይታየ ፍቕርኻ
ከመይ'ለ ክገልጾ እየሱሰይ /2/ ውዕለትካ
ፈጣሪ ክነስኻ ስለይ ሓጥእ ሞትካ
ፍቕሪ'ዩ ምስጢሩ ዕምቆት መስዋዕትኻ
ትሕትና ከተምህር ኣይመረጸን ደስታ
ሕይወተይ ቀድሶ በቲ ክቡር ደምካ /3/
VERSE 3
ሓዲግ ሰማይ ምድሪ ተንጠልጢልካ ከሎኻ
ብብርቱዕ መግረፍቲ ሓሞት መጺጽ እናኣስተዩኻ
ምሓሮም እናበልካ ዝገበርካ ይቕሬታ
ኣበሳይ ብብዝሒ ምሕረትካ ረኺቡ መፈጸምታ
VERSE 4
ከም ፈልፋል ዓይኒ ማይ ደምካ እናዛረየ
መድሃኒት ኮይኑኒ ከይውሕጠኒ ትካዘ
ምስጋና'ዩ ዓቕመይ ካብ ልበይ ዝነቐለ
ዕልል ዕልል ክብል ብመዝሙረይ ገይረ
ዕልል ዕልል ክብል ብሽብሸባይ ገይረ
ዕልል ዕልል ክብል ብኣምልኾይ ገይረ