ቃልካ ንስጉምተይ
Lyrics
ሕግኻ ሓጐስ ልበይ እዩ፥ ናይ ዘለዓለም ርስተይውን ንሱ እዩ።
ንሕግኻ ክሳዕ ዕለት ሞተይ ክሕልዎ ኣንቂደ ኣሎኹ።
ነቶም ብምሉእ ልቦም ዘየምልኹኻ ሰባት እጸልኦም፥ ኣነ ግና ሕግኻ ፈቶኹ።
ንስኻ መዕቈብየይን ሓላውየይን ኢኻ፥ ኣብ ቃልካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
ቃልካ ንስጉምተይ ፡ ንመንገደይ ብርሃን
ብሕይወት ክነብር ካብ ኩነኔ ጸላም
ስለይ ስለ ሓጥእ ኣብ መስቀል ዝወዓልካ
ሰላም ንኽረክብ ሕይወትካ ዘሕለፍካ፡
ሕይወትካ ዘሕለፍካ
ቃልካ ተስፋይ እዩ መድሓኒ
ኣብ ቤትካ ክነብር ባህጊ ኣሎኒ
ቃልካ ተስፋይ እዩ መድሓኒ
ኣብ ቤትካ ክነብር ባህጊ ኣሎኒ
እግዚኣብሔር ቃላትካ እንብዛ ጥዑም'ዩ
ንኸናፍረይ ውን ካብ መዓር ዝበለጸ
ባህጊ ኣሎኒ ኣብ ልበይ ትእዛዛትካ ክሕሉ
ናይ ዘልኣለም ቤት ተስፋይ ካባኻ'ዩ
ምሕረትካ ንዘልኣለም ጸኒዑ ይነብር
እሙን ምዃንካ ውን ፈጺሙ ዘይቅይር
መሰረታት ዝፋንካስ ጽድቅን ቅንዕናን'ዩ
ርሕራሔኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ'ዩ፡
ንውሉድ ወለዶ'ዩ
ብዓይኒ ምሕረትካ ጠምተኒ
ከም ተስፋ ቃላትካ ኣድሕነኒ
ሽዑ ኣብ ቅልጽምካ ተወኪለ
ንተጻረርተይ ምላሽ ክህቦም
ኦ ኣምላኸይ ሕግኻስ ክንደይኮን ሰናይ'ዩ
ቃላትካስ ጎይታየ ድንቅን መስተንክርን
ንገርህታት፡ ጥበብን ምስትውዓልን ሃቦም
ንዝሕልውዎ ድማ የሐጉሶም
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ቃልካ ንስጉምተይ
Qlka nsugumtey
INTRO
ሕግኻ ሓጐስ ልበይ እዩ፥ ናይ ዘለዓለም ርስተይውን ንሱ እዩ።
ንሕግኻ ክሳዕ ዕለት ሞተይ ክሕልዎ ኣንቂደ ኣሎኹ።
ነቶም ብምሉእ ልቦም ዘየምልኹኻ ሰባት እጸልኦም፥ ኣነ ግና ሕግኻ ፈቶኹ።
ንስኻ መዕቈብየይን ሓላውየይን ኢኻ፥ ኣብ ቃልካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
VERSE 1
ቃልካ ንስጉምተይ ፡ ንመንገደይ ብርሃን
ብሕይወት ክነብር ካብ ኩነኔ ጸላም
ስለይ ስለ ሓጥእ ኣብ መስቀል ዝወዓልካ
ሰላም ንኽረክብ ሕይወትካ ዘሕለፍካ፡
ሕይወትካ ዘሕለፍካ
VERSE 2
ቃልካ ተስፋይ እዩ መድሓኒ
ኣብ ቤትካ ክነብር ባህጊ ኣሎኒ
ቃልካ ተስፋይ እዩ መድሓኒ
ኣብ ቤትካ ክነብር ባህጊ ኣሎኒ
እግዚኣብሔር ቃላትካ እንብዛ ጥዑም'ዩ
ንኸናፍረይ ውን ካብ መዓር ዝበለጸ
ባህጊ ኣሎኒ ኣብ ልበይ ትእዛዛትካ ክሕሉ
ናይ ዘልኣለም ቤት ተስፋይ ካባኻ'ዩ
VERSE 3
ምሕረትካ ንዘልኣለም ጸኒዑ ይነብር
እሙን ምዃንካ ውን ፈጺሙ ዘይቅይር
መሰረታት ዝፋንካስ ጽድቅን ቅንዕናን'ዩ
ርሕራሔኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ'ዩ፡
ንውሉድ ወለዶ'ዩ
VERSE 4
ብዓይኒ ምሕረትካ ጠምተኒ
ከም ተስፋ ቃላትካ ኣድሕነኒ
ሽዑ ኣብ ቅልጽምካ ተወኪለ
ንተጻረርተይ ምላሽ ክህቦም
VERSE 5
ኦ ኣምላኸይ ሕግኻስ ክንደይኮን ሰናይ'ዩ
ቃላትካስ ጎይታየ ድንቅን መስተንክርን
ንገርህታት፡ ጥበብን ምስትውዓልን ሃቦም
ንዝሕልውዎ ድማ የሐጉሶም