ኦ ፍጽምቲ ድንግል
Lyrics
ኦ ፍጽምቲ ድንግል ኣደ ናይ ጎይታና
ናባኺ ንሙዕቖብ ኣደ ክትኮንልና
ሕራይ ኢልኪ ኢኺ እኖ ዝኾንክልና
ካብ እግዚ/ር ኣቦ ከተማልድልና
ነፍሰይ ንእግዚ/ር ተዕብዮ
መንፈሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብሎ /2/
ሓለዋኺ ደልዮም እንካብ ዝጎየዩ
ልመናኽን ረዲእትክን እንካብ ዝለመኑ
ሓደ እኳ ኣይጠፍአን ሰሰኑ ድኣ እምበር
ነዓና ውን ሓግዝና ክንበቅዕ ምስክር
ነፍሰይ ንእግዚ/ር ተዕብዮ
መንፈሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብሎ /2/
ናይ ማርያም ኣዴና ፍሉይ`ዩ ዕቤታ
ከም ሰባት ኣብ መሬት ዘይበለየ ሥጋኣ
ብቅዱሳን መልኣኽቲ ንሰማይ ፈሊሳ
ተግባር ናይ ኣምላኽና ዓቢ`ዩ ኣብ ልዕሊኣ
ነፍሰይ ንእግዚ/ር ተዕብዮ
መንፈሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብሎ /2/
ኦ ውቅብቲ ግርማ ብርሃን ዝዓሰላ
ዓሰርተ ክልተ ከወኽብቲ ዝ`ኣኽሊላ
ሓውቲ መላእኽቲ ናይ ሰማይ መሳልል
ንጹሓን ግበርና ክንርእዮ ንልዑል
ነፍሰይ ንእግዚ/ር ተዕብዮ
መንፈሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብሎ /2/
ብርኽቲ ሞንጎኛ ዓሌት ደቅ ሰብ
ካብ ወድኺ ለምኒ ሰላም ንኽንረክብ
መቅደስ ናይ ሥላሴ ዝዓሰላ ክብሪ
ኣደ`የ ምስ ወድኺ ዘልኣለም ክበሪ /3/
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ኦ ፍጽምቲ ድንግል
O Ftsmti Dingl
VERSE 1
ኦ ፍጽምቲ ድንግል ኣደ ናይ ጎይታና
ናባኺ ንሙዕቖብ ኣደ ክትኮንልና
ሕራይ ኢልኪ ኢኺ እኖ ዝኾንክልና
ካብ እግዚ/ር ኣቦ ከተማልድልና
CHORUS
ነፍሰይ ንእግዚ/ር ተዕብዮ
መንፈሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብሎ /2/
VERSE 2
ሓለዋኺ ደልዮም እንካብ ዝጎየዩ
ልመናኽን ረዲእትክን እንካብ ዝለመኑ
ሓደ እኳ ኣይጠፍአን ሰሰኑ ድኣ እምበር
ነዓና ውን ሓግዝና ክንበቅዕ ምስክር
CHORUS
ነፍሰይ ንእግዚ/ር ተዕብዮ
መንፈሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብሎ /2/
VERSE 3
ናይ ማርያም ኣዴና ፍሉይ`ዩ ዕቤታ
ከም ሰባት ኣብ መሬት ዘይበለየ ሥጋኣ
ብቅዱሳን መልኣኽቲ ንሰማይ ፈሊሳ
ተግባር ናይ ኣምላኽና ዓቢ`ዩ ኣብ ልዕሊኣ
CHORUS
ነፍሰይ ንእግዚ/ር ተዕብዮ
መንፈሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብሎ /2/
VERSE 4
ኦ ውቅብቲ ግርማ ብርሃን ዝዓሰላ
ዓሰርተ ክልተ ከወኽብቲ ዝ`ኣኽሊላ
ሓውቲ መላእኽቲ ናይ ሰማይ መሳልል
ንጹሓን ግበርና ክንርእዮ ንልዑል
CHORUS
ነፍሰይ ንእግዚ/ር ተዕብዮ
መንፈሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብሎ /2/
VERSE 5
ብርኽቲ ሞንጎኛ ዓሌት ደቅ ሰብ
ካብ ወድኺ ለምኒ ሰላም ንኽንረክብ
መቅደስ ናይ ሥላሴ ዝዓሰላ ክብሪ
ኣደ`የ ምስ ወድኺ ዘልኣለም ክበሪ /3/

