ንኣይ ክትስልም
Lyrics
ንኣይ ክትስልም ብጸጋ ፍቅርኻ
ሕሱም ንብረተይ ኃጢኣተይ ርኢኻ፡
ኣነ እንክኹብልል ኣብ ዓለም በረኻ
ኣርኣያ ግዙእ ኣዳም ኃረኻ (2)
ኢያቄም ሓና ጻድቃናት ወለዲ
ብርሃን ፈረየ ንሰማይ መንገዲ፡
ዕንባባ ገነት ናይ ሰማያት ዘውዲ
ፈረየት ሕይወት ናይ ወይኒ ጉንዲ (2)
ሕይወት ናዝሬት ዝመልኦ ትሕትና
ምስ ማርያም ዮሴፍ ሰብ ኪዳን ንጽሕና፡
ጉሩም ኣብነት ዝኸውን ንኣና
ክንክተለካ ኃይሊ ሃበና (2)
ንኣይ ክትደሊ ዝጠፍአት በጊዕካ
ኣእላፍ መላእክቲ ኣብ ሰማይ ኃደግካ፡
ንጉሥ ሰማያት ትሕትና ለቢስካ
ካብ ኵሉ ነገር ፍቕረይ መረጽካ (2)
ኵሎም ክብሉኻ ኣምላኽ ዝዓበደ
ፍቕረይ ከናዲ ካብ ላዕላይ ወረደ፡
ንኣይ ክትደሊ ኣብራኽካ ረዓደ
እንክፈትወካ ፍቕረይ ወሓደ (2)
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ንኣይ ክትስልም
Nay ktslm
VERSE 1
ንኣይ ክትስልም ብጸጋ ፍቅርኻ
ሕሱም ንብረተይ ኃጢኣተይ ርኢኻ፡
ኣነ እንክኹብልል ኣብ ዓለም በረኻ
ኣርኣያ ግዙእ ኣዳም ኃረኻ (2)
VERSE 2
ኢያቄም ሓና ጻድቃናት ወለዲ
ብርሃን ፈረየ ንሰማይ መንገዲ፡
ዕንባባ ገነት ናይ ሰማያት ዘውዲ
ፈረየት ሕይወት ናይ ወይኒ ጉንዲ (2)
VERSE 3
ሕይወት ናዝሬት ዝመልኦ ትሕትና
ምስ ማርያም ዮሴፍ ሰብ ኪዳን ንጽሕና፡
ጉሩም ኣብነት ዝኸውን ንኣና
ክንክተለካ ኃይሊ ሃበና (2)
VERSE 4
ንኣይ ክትደሊ ዝጠፍአት በጊዕካ
ኣእላፍ መላእክቲ ኣብ ሰማይ ኃደግካ፡
ንጉሥ ሰማያት ትሕትና ለቢስካ
ካብ ኵሉ ነገር ፍቕረይ መረጽካ (2)
VERSE 5
ኵሎም ክብሉኻ ኣምላኽ ዝዓበደ
ፍቕረይ ከናዲ ካብ ላዕላይ ወረደ፡
ንኣይ ክትደሊ ኣብራኽካ ረዓደ
እንክፈትወካ ፍቕረይ ወሓደ (2)

