ምሳና ሕደር
Lyrics
ኦ ጎይታ እቶም ክልተ ንኤማሁስ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ደቂ መዛሙርትኻ
ጎይታ ጽሓይ ዓሪባ እያ’ሞ ምሳና ሕደር ኢሎም ከምዝለመኑኻ
ንሕናውን ሎሚ ጎይታ ሓደ-ሓደ ግዜስ ቀትሪ ከሎ መሲዩና፡ ጽልግልግ ኢሉና
ኣዝዩ ዓሪቡና ይርከብ ኣሎ’ሞ ብሕያውነትካ ራሕርሓልና
ከም ዕቤት ምሕረትካ ድኣምበር ከም ብዝሒ ሓጢኣትና ኣይትኺደና
ምሳና ንበር ባዕልኻ ጓስየና፡ ኣብ መኣድኻ ከም ንሓብር ግበረና።
መንገድና ጸልማት ይመስል ኣሎ
ጽልግልግ ዝበለ ድነ ሞት ዝዓሰሎ
ገዲፍካና ኣይትኺድ ናብ ማዕዶ ኣይትሳገር
ንዓ ድኣ ሎምስ ምሳና ተደረር።
ምሳና ሕደር (6)
ጸሓይ ዓሪቡና
ምድሪ ጸልሚቱና
ኢየሱስ ርድኣና።
ልዕሊ ኵነታት ክንዝንቢ ብተስፋ ብእምነት
ትርጉምን ዕላማን ከነልብሳ ንሕይወት
ብጊዜያዊ ነገራት ከይሽበር ልብና
ናብ ማዕዶ ክንጥምት ከነድምቖ ራእይና።
ምሳና ሕደር (6)
ጸሓይ ዓሪቡና
ምድሪ ጸልሚቱና
ኢየሱስ ርድኣና።
ሕያው እንከሎኻ ምርኣይ ክንስእነካ
እምነት ውሒዱና የለኻን ንብለካ
ካብ ስጋኻን ደምካን ተፈሊና ጐይታ
ብደረቕ ምድረ-በዳ ነፍስና ሃውቲታ።
ምሳና ሕደር (6)
ጸሓይ ዓሪቡና
ምድሪ ጸልሚቱና
ኢየሱስ ርድኣና።
ንዓ ንዶ ኢየሱስ ምሳና ሕደር
ክገሃድ ክግለጽ ቲ ሕቡእ ቲ ስቱር
ንቓልካ እንዶ ግለጾ ልብና ኣንድዶ
ብስጋኻን ደምካን ኣዒንትና ክፈቶ።
ምሳና ሕደር (6)
ጸሓይ ዓሪቡና
ምድሪ ጸልሚቱና
ኢየሱስ ርድኣና።
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ምሳና ሕደር
Msana hder
INTRO
ኦ ጎይታ እቶም ክልተ ንኤማሁስ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ደቂ መዛሙርትኻ
ጎይታ ጽሓይ ዓሪባ እያ’ሞ ምሳና ሕደር ኢሎም ከምዝለመኑኻ
ንሕናውን ሎሚ ጎይታ ሓደ-ሓደ ግዜስ ቀትሪ ከሎ መሲዩና፡ ጽልግልግ ኢሉና
ኣዝዩ ዓሪቡና ይርከብ ኣሎ’ሞ ብሕያውነትካ ራሕርሓልና
ከም ዕቤት ምሕረትካ ድኣምበር ከም ብዝሒ ሓጢኣትና ኣይትኺደና
ምሳና ንበር ባዕልኻ ጓስየና፡ ኣብ መኣድኻ ከም ንሓብር ግበረና።
VERSE 1
መንገድና ጸልማት ይመስል ኣሎ
ጽልግልግ ዝበለ ድነ ሞት ዝዓሰሎ
ገዲፍካና ኣይትኺድ ናብ ማዕዶ ኣይትሳገር
ንዓ ድኣ ሎምስ ምሳና ተደረር።
CHORUS
ምሳና ሕደር (6)
ጸሓይ ዓሪቡና
ምድሪ ጸልሚቱና
ኢየሱስ ርድኣና።
VERSE 2
ልዕሊ ኵነታት ክንዝንቢ ብተስፋ ብእምነት
ትርጉምን ዕላማን ከነልብሳ ንሕይወት
ብጊዜያዊ ነገራት ከይሽበር ልብና
ናብ ማዕዶ ክንጥምት ከነድምቖ ራእይና።
CHORUS
ምሳና ሕደር (6)
ጸሓይ ዓሪቡና
ምድሪ ጸልሚቱና
ኢየሱስ ርድኣና።
VERSE 3
ሕያው እንከሎኻ ምርኣይ ክንስእነካ
እምነት ውሒዱና የለኻን ንብለካ
ካብ ስጋኻን ደምካን ተፈሊና ጐይታ
ብደረቕ ምድረ-በዳ ነፍስና ሃውቲታ።
CHORUS
ምሳና ሕደር (6)
ጸሓይ ዓሪቡና
ምድሪ ጸልሚቱና
ኢየሱስ ርድኣና።
VERSE 4
ንዓ ንዶ ኢየሱስ ምሳና ሕደር
ክገሃድ ክግለጽ ቲ ሕቡእ ቲ ስቱር
ንቓልካ እንዶ ግለጾ ልብና ኣንድዶ
ብስጋኻን ደምካን ኣዒንትና ክፈቶ።
CHORUS
ምሳና ሕደር (6)
ጸሓይ ዓሪቡና
ምድሪ ጸልሚቱና
ኢየሱስ ርድኣና።