መን ኣሎኒ
Lyrics
1 ጎይታ ትፈልጦ ኢኻ፡ ናይ ዓለም መከራ
ክነግረካ ኣይደልን፡ ጥዒምካዮ ኢካ
ሓይልካ ኣሚነ፡ ናባካ እጽጋዕ
ኣበርትዓኒ ኢኻ፡ ሃበኒ ምጽንናዕ
መን ኣሎኒ (2) ኢየሱስ መን ኣሎኒ
ብዘይካኻ ዝድግፍን ዘጸናንዓኒ
2 ናይ ነፍሰይ ጸላኢ፡ ሰይጣን ከፍርሃኒ
ኣስናኑ ገይጹ፡ ወላ እንተመጸኒ
ንስካ ትበልጽ፡ ኣባይ እትነብር
ሓይልካ ኣሎኒ፡ ንሰይጣን ዘባርር
መን ኣሎኒ (2) ኢየሱስ መን ኣሎኒ
ብዘይካኻ ዝድግፍን ዘጸናንዓኒ
3 ዓይኒ ስጋ ምርኣይ፡ ንናይ ግዜ ጸገም
ብርቱዕ ጌጋ እዩ፡ ዝጉንጽ ናብ ገምገም
ብመንፈስ ምጥማት፡ ናባኻ ኦ ጎይታይ
ኢዩ ዝጠቕመኒ፡ ኣብ ኩሉ ጸገመይ
መን ኣሎኒ (2) ኢየሱስ መን ኣሎኒ
ብዘይካኻ ዝድግፍን ዘጸናንዓኒ
4 ዓይነይ ኣይትጠምት፡ ሸብዳዕዳዕ ናይ ዓለም
ልበይ ኣይትሸበር፡ ብግዝያዊ ጸገም
ርእሰይ ኣይትተርኣስ፡ ኣብ ናይ ስጋ ትምኒት
ኢየሱስ ጥራይ ኢዩ፡ ዝህበኒ ዓወት
መን ኣሎና (2) ኣቦ (ኢየሱስ) መን ኣሎና
ብዘይካኻ ዝድግፍን ዘጸናንዓ
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
መን ኣሎኒ
Men aloni
VERSE 1
1 ጎይታ ትፈልጦ ኢኻ፡ ናይ ዓለም መከራ
ክነግረካ ኣይደልን፡ ጥዒምካዮ ኢካ
ሓይልካ ኣሚነ፡ ናባካ እጽጋዕ
ኣበርትዓኒ ኢኻ፡ ሃበኒ ምጽንናዕ
CHORUS
መን ኣሎኒ (2) ኢየሱስ መን ኣሎኒ
ብዘይካኻ ዝድግፍን ዘጸናንዓኒ
VERSE 2
2 ናይ ነፍሰይ ጸላኢ፡ ሰይጣን ከፍርሃኒ
ኣስናኑ ገይጹ፡ ወላ እንተመጸኒ
ንስካ ትበልጽ፡ ኣባይ እትነብር
ሓይልካ ኣሎኒ፡ ንሰይጣን ዘባርር
CHORUS
መን ኣሎኒ (2) ኢየሱስ መን ኣሎኒ
ብዘይካኻ ዝድግፍን ዘጸናንዓኒ
VERSE 3
3 ዓይኒ ስጋ ምርኣይ፡ ንናይ ግዜ ጸገም
ብርቱዕ ጌጋ እዩ፡ ዝጉንጽ ናብ ገምገም
ብመንፈስ ምጥማት፡ ናባኻ ኦ ጎይታይ
ኢዩ ዝጠቕመኒ፡ ኣብ ኩሉ ጸገመይ
CHORUS
መን ኣሎኒ (2) ኢየሱስ መን ኣሎኒ
ብዘይካኻ ዝድግፍን ዘጸናንዓኒ
VERSE 4
4 ዓይነይ ኣይትጠምት፡ ሸብዳዕዳዕ ናይ ዓለም
ልበይ ኣይትሸበር፡ ብግዝያዊ ጸገም
ርእሰይ ኣይትተርኣስ፡ ኣብ ናይ ስጋ ትምኒት
ኢየሱስ ጥራይ ኢዩ፡ ዝህበኒ ዓወት
CHORUS
መን ኣሎና (2) ኣቦ (ኢየሱስ) መን ኣሎና
ብዘይካኻ ዝድግፍን ዘጸናንዓ

