ከም ቀደምካ ኣሎኻ
Lyrics
ሓጢኣተይ ዓሚቕ’ዩ ከም ዑምቀት ናይ ቀላይ
ዘይቁጸር ፍጹም ኣዝዩ ብዙሕ ጉዳይ
ጎይታ ጠምተኒ ንዓይ ብምሕረትካ
ብኢደይ ሓዘኒ ኣይትግደፈኒ ኢኻ (2)
ድኻምነተይ ሪኤ ባዶታተይ ሪኤ
ክትመልኣኒ ኢየሱስ ናባኻ መጺአ (2)
ልዑል’ዩ ምሕረትካ ሰማያት ዝበጽሕ
ጽድቅኻ ውን ጎይታ ከም እምባታት በሪኽ
ኣነ ግን ኣምላኸይ ኣዝየ ዝተነዓቕኩ
ቅድሜኻ ደው ክብል ፍጹም ዘይበቓዕኩ (2)
እሙን ምዃንካ ሪኤ ንምሕረትካ ሪኤ
ክትመርሓኒ ኢየሱስ ናባኻ መጺአ (2)
ልምድታት ክቕየር ባህልታት ክዝከር
እግዚኣብሄር ንስኻስ ከም ቀደምካ ኣሎኻ
ነገስታት ደይቦም መሊሶም ክወርዱ
ንጉሰይ ትነብር ጸኒዕካ ኣብ ዙፋንካ / ከም ቀደም ኣሎኻ
ህያው ምዃንካ ሪኤ ከም ዘይትመውት ሪኤ
ክትፍውሰኒ ኢየሱስ ናባኻ መጺአ (2)
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ከም ቀደምካ ኣሎኻ
Kem Qedemka Aloka
VERSE 1
ሓጢኣተይ ዓሚቕ’ዩ ከም ዑምቀት ናይ ቀላይ
ዘይቁጸር ፍጹም ኣዝዩ ብዙሕ ጉዳይ
ጎይታ ጠምተኒ ንዓይ ብምሕረትካ
ብኢደይ ሓዘኒ ኣይትግደፈኒ ኢኻ (2)
CHORUS
ድኻምነተይ ሪኤ ባዶታተይ ሪኤ
ክትመልኣኒ ኢየሱስ ናባኻ መጺአ (2)
VERSE 2
ልዑል’ዩ ምሕረትካ ሰማያት ዝበጽሕ
ጽድቅኻ ውን ጎይታ ከም እምባታት በሪኽ
ኣነ ግን ኣምላኸይ ኣዝየ ዝተነዓቕኩ
ቅድሜኻ ደው ክብል ፍጹም ዘይበቓዕኩ (2)
CHORUS
እሙን ምዃንካ ሪኤ ንምሕረትካ ሪኤ
ክትመርሓኒ ኢየሱስ ናባኻ መጺአ (2)
VERSE 3
ልምድታት ክቕየር ባህልታት ክዝከር
እግዚኣብሄር ንስኻስ ከም ቀደምካ ኣሎኻ
ነገስታት ደይቦም መሊሶም ክወርዱ
ንጉሰይ ትነብር ጸኒዕካ ኣብ ዙፋንካ / ከም ቀደም ኣሎኻ
CHORUS
ህያው ምዃንካ ሪኤ ከም ዘይትመውት ሪኤ
ክትፍውሰኒ ኢየሱስ ናባኻ መጺአ (2)

