ቅዱስ ፓቮኒ
Lyrics
ንዓይኒ ዝማርኽ ሃብቲ ከይጠመትካ
ካብ ኩሉ ዝበልጽ ንኢየሱስ መሪጽካ
ዓስቢ ላዕላይ ሰማይ ዕላማኻ ጌርካ
ንፍቕሪ ክርስቶስ ሕይወትካ ወፈኻ/2/
ኦ ቅዱስ ፓቮኒ ኣቦ መንእሰያት
ጎይታ ዝሓረዮ ኣፍቃሪ ድኻታት
መምህር ቅድስና ኣምላኽ ዝሃበና/2/
ትሑት ልብኻ ንትዕቢት ዘውድቕ
ተስፋ ንዘይብሎም ተስፋ እተስንቕ
ፍቕሪ መኣድኻ ጽድቂ መንገድኻ
ኦ ቅዱስ ፓቮኒ ንዓ ኣብ ማእከልና/2/
ጽኑዕ እምነት ኣብ ኣምላኽ ኣሕዲርካ
ፈተናታት ዓለም ከየሸነፈካ
መስቀል ናይ ክርስቶስ እናተመልከትካ
ብጸሎት ትዕግስቲ ንኹሉ ሰጊርካ/2/
ኦ ቅዱስ ፓቮኒ ኣቦ መንእሰያት
ጎይታ ዝሓረዮ ኣፍቃሪ ድኻታት
መምህር ቅድስና ኣምላኽ ዝሃበና/2/
ንዓይ ዝብል መንፈስ ክርሕቕ ካባና
ፍቕሪ ከነቐድም ክንስዕብ ኣሰርካ
ብመንገዲ ጽድቂ ክንመርሕ ሕይወትና
ኦ ቅዱስ ፓቮኒ ወትሩ ኣማልደልና/2/
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ቅዱስ ፓቮኒ
Kdus pavoni
VERSE 1
ንዓይኒ ዝማርኽ ሃብቲ ከይጠመትካ
ካብ ኩሉ ዝበልጽ ንኢየሱስ መሪጽካ
ዓስቢ ላዕላይ ሰማይ ዕላማኻ ጌርካ
ንፍቕሪ ክርስቶስ ሕይወትካ ወፈኻ/2/
CHORUS
ኦ ቅዱስ ፓቮኒ ኣቦ መንእሰያት
ጎይታ ዝሓረዮ ኣፍቃሪ ድኻታት
መምህር ቅድስና ኣምላኽ ዝሃበና/2/
VERSE 2
ትሑት ልብኻ ንትዕቢት ዘውድቕ
ተስፋ ንዘይብሎም ተስፋ እተስንቕ
ፍቕሪ መኣድኻ ጽድቂ መንገድኻ
ኦ ቅዱስ ፓቮኒ ንዓ ኣብ ማእከልና/2/
VERSE 3
ጽኑዕ እምነት ኣብ ኣምላኽ ኣሕዲርካ
ፈተናታት ዓለም ከየሸነፈካ
መስቀል ናይ ክርስቶስ እናተመልከትካ
ብጸሎት ትዕግስቲ ንኹሉ ሰጊርካ/2/
CHORUS
ኦ ቅዱስ ፓቮኒ ኣቦ መንእሰያት
ጎይታ ዝሓረዮ ኣፍቃሪ ድኻታት
መምህር ቅድስና ኣምላኽ ዝሃበና/2/
VERSE 4
ንዓይ ዝብል መንፈስ ክርሕቕ ካባና
ፍቕሪ ከነቐድም ክንስዕብ ኣሰርካ
ብመንገዲ ጽድቂ ክንመርሕ ሕይወትና
ኦ ቅዱስ ፓቮኒ ወትሩ ኣማልደልና/2/