ህያው መንፈስ ቅዱስ
Lyrics
ኦ እግዚኣብሔር ንጸሎተይ ስማዕ
ኣውያተይ`ውን ናባኻ ይብጻሕ
ብመዓልቲ ጸበባይ ገጽካ ኣይትኸውለለይ
በታ ዘእውየላ መዓልቲ ቀልጢፍካ መልሰለይ
ዕድመይ ከም ትኪ ይበንን ኣሎ
ሰብነተይ ከኣ ከም እያድ ይነድድ ኣሎ
ብውድቀተይ ከየሕስሮ ስምካ
መንፈስ ቅዱስ ደግፈኒ ኢኻ
እንተወደቕኩ`ኳ ድኹም ፍጥረት ኮይነ
ክትንስእ እየ ምሕረትካ ኣሚነ (2)
ምስ ጎይታ መኣዱ በሊዐ
ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ኣይፈልጦን`የ ዝበልኩ
ብፍርሂ ዓለም ተዳሂለ
እምነተይ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ሸጥኩ
ህያው መንፈስ ቅዱስ ግን
ምሕረትካ ብኸምኡ ትዕድለኒ
ነፍሰይ ከም ደም እንተቐይሐት
ንስኻ ግን ከም በረድ ተጻዕድወኒ
ህይወተይ ዘይትፈልጦ
ምጽንናዕ ካባኻ ኮይኑላ
ፍርሂ ልበይ ጠፊኡ
ልሳነይ`ውን ግብርታትካ ተውርዮ`ላ
ኣነስ ንምሕረትካ ኣይክእልን ክበጽሖ
ውዕለትካ በዚሑ ክንደይ ኢለ ክቖጽሮ
ኣነስ ንሰናይካ ኣይክእልን ክበጽሖ
መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ንልበይ ኣዘኻኽሮ
ብውድቀተይ ከየሕስሮ ስምካ
መንፈስ ቅዱስ ደግፈኒ ኢኻ
እንተወደቕኩ`ኳ ድኹም ፍጥረት ኮይነ
ክትንስእ እየ ምሕረትካ ኣሚነ (2)
ደጊመ ከይጸምእሲ ማይካ ኣስትየኒ
ጸጊበ ከትርፍ ካብ መንፈስካ ዓንግለኒ (2)
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ህያው መንፈስ ቅዱስ
Hyaw menfes qdus
VERSE 1
ኦ እግዚኣብሔር ንጸሎተይ ስማዕ
ኣውያተይ`ውን ናባኻ ይብጻሕ
ብመዓልቲ ጸበባይ ገጽካ ኣይትኸውለለይ
በታ ዘእውየላ መዓልቲ ቀልጢፍካ መልሰለይ
ዕድመይ ከም ትኪ ይበንን ኣሎ
ሰብነተይ ከኣ ከም እያድ ይነድድ ኣሎ
CHORUS
ብውድቀተይ ከየሕስሮ ስምካ
መንፈስ ቅዱስ ደግፈኒ ኢኻ
እንተወደቕኩ`ኳ ድኹም ፍጥረት ኮይነ
ክትንስእ እየ ምሕረትካ ኣሚነ (2)
VERSE 2
ምስ ጎይታ መኣዱ በሊዐ
ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ኣይፈልጦን`የ ዝበልኩ
ብፍርሂ ዓለም ተዳሂለ
እምነተይ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ሸጥኩ
ህያው መንፈስ ቅዱስ ግን
ምሕረትካ ብኸምኡ ትዕድለኒ
ነፍሰይ ከም ደም እንተቐይሐት
ንስኻ ግን ከም በረድ ተጻዕድወኒ
ህይወተይ ዘይትፈልጦ
ምጽንናዕ ካባኻ ኮይኑላ
ፍርሂ ልበይ ጠፊኡ
ልሳነይ`ውን ግብርታትካ ተውርዮ`ላ
VERSE
ኣነስ ንምሕረትካ ኣይክእልን ክበጽሖ
ውዕለትካ በዚሑ ክንደይ ኢለ ክቖጽሮ
ኣነስ ንሰናይካ ኣይክእልን ክበጽሖ
መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ንልበይ ኣዘኻኽሮ
CHORUS
ብውድቀተይ ከየሕስሮ ስምካ
መንፈስ ቅዱስ ደግፈኒ ኢኻ
እንተወደቕኩ`ኳ ድኹም ፍጥረት ኮይነ
ክትንስእ እየ ምሕረትካ ኣሚነ (2)
VERSE 4
ደጊመ ከይጸምእሲ ማይካ ኣስትየኒ
ጸጊበ ከትርፍ ካብ መንፈስካ ዓንግለኒ (2)