ሕጂ መጺአ ኣለኹ
Lyrics
ረአ'ሞ ተመልከት ንዅሉ ሕይወተይ
ንዓኻ ዝበቅዕ ሓንቲ’ኳ ነይብለይ፡
ብሕፍረት ዝኣክል ርእሰይ ኣድኒነ
እነብር ኣሎኹ ንበይነ ኮይነ።
ሕጂ መጺአ ኣሎኹ
ክረኽበካ ኦ ጐይታይ፡
ንሕይወተይ ሓድሶ
ብቅዱስ መንፈስካ።
እንቋዕ ረኸብኩዎ እቲ ሕያዋይ ጓሳ
ብዘይካኡ የልቦን ንልበይ ዝመልሳ፡
ካብ ሕጂ ንደሓር ምሳኻ ክነብር
ንዅሉ ሕይወተይ ንዓኻ ክመስል።
ሕጂ መጺአ ኣሎኹ
ክረኽበካ ኦ ጐይታይ፡
ንሕይወተይ ሓድሶ
ብቅዱስ መንፈስካ።
ንስኻ ዘይብሉ ኵሉ ከንቱ ኢዩ፡
መንፈስካ ዘይብሉ መንገዲ ጥፍኣት'ዩ
ሎሚውን ኣፍስሶ ኣብ ልዕሊ ሕዝብኻ
ከይጠፍእ ከይኩነን ሲኢኑ ኃይልኻ።
ሕጂ መጺአ ኣሎኹ
ክረኽበካ ኦ ጐይታይ፡
ንሕይወተይ ሓድሶ
ብቅዱስ መንፈስካ።
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ሕጂ መጺአ ኣለኹ
Hji metsie aleku
VERSE 1
ረአ'ሞ ተመልከት ንዅሉ ሕይወተይ
ንዓኻ ዝበቅዕ ሓንቲ’ኳ ነይብለይ፡
ብሕፍረት ዝኣክል ርእሰይ ኣድኒነ
እነብር ኣሎኹ ንበይነ ኮይነ።
CHORUS
ሕጂ መጺአ ኣሎኹ
ክረኽበካ ኦ ጐይታይ፡
ንሕይወተይ ሓድሶ
ብቅዱስ መንፈስካ።
VERSE 2
እንቋዕ ረኸብኩዎ እቲ ሕያዋይ ጓሳ
ብዘይካኡ የልቦን ንልበይ ዝመልሳ፡
ካብ ሕጂ ንደሓር ምሳኻ ክነብር
ንዅሉ ሕይወተይ ንዓኻ ክመስል።
CHORUS
ሕጂ መጺአ ኣሎኹ
ክረኽበካ ኦ ጐይታይ፡
ንሕይወተይ ሓድሶ
ብቅዱስ መንፈስካ።
VERSE 3
ንስኻ ዘይብሉ ኵሉ ከንቱ ኢዩ፡
መንፈስካ ዘይብሉ መንገዲ ጥፍኣት'ዩ
ሎሚውን ኣፍስሶ ኣብ ልዕሊ ሕዝብኻ
ከይጠፍእ ከይኩነን ሲኢኑ ኃይልኻ።
CHORUS
ሕጂ መጺአ ኣሎኹ
ክረኽበካ ኦ ጐይታይ፡
ንሕይወተይ ሓድሶ
ብቅዱስ መንፈስካ።

