ሓጋዚ ድኹማት
Lyrics
ብኃጢኣት ዓለም ተታሊለ - ብኽፍኣተይ
ይነብር ኣለኹ ኣብ ጸልማት - ብዘይ ኡፍታ፡
ንመንፈስ ሰላም ብምግዳፍ - ብጽንዓተይ
ይዅብልል ነበርኩ ኣብ ዓለም - ንብሕተይ።
ሓጋዚ ድኹማት ኣብ ጊዜ ጸበባ
መን ኣሎኒ ኣብ ዓለም ጐይታይ ብጀካኻ።
ለዋህ ኣቦ ግን ጠሚቱ - ናብ ሕስራነይ
ኢዱ ዘርጊሑ ኣውጽኣኒ - ካብ ሓጢኣተይ፡
ንመስቀሉ ተሰኪመ ክመላለስ
ክምድብ ኣበርትዓኒ ቅዱስ መንፈስ።
ሓጋዚ ድኹማት ኣብ ጊዜ ጸበባ
መን ኣሎኒ ኣብ ዓለም ጐይታይ ብጀካኻ።
ኣምላኸይ መጸግዒየይ እሙን ጐይታይ
ካባኻ ዝፈልያ መን'ዩ - ንሕይወተይ፡
ተመስገን ኣምላኸይ - ትኽበር መንግስትኻ
መን ኣሎ ርሕሩሕ መራሒ ብጀካኻ።
ሓጋዚ ድኹማት ኣብ ጊዜ ጸበባ
መን ኣሎኒ ኣብ ዓለም ጐይታይ ብጀካኻ።
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ሓጋዚ ድኹማት
Hagazi dkumat
VERSE 1
ብኃጢኣት ዓለም ተታሊለ - ብኽፍኣተይ
ይነብር ኣለኹ ኣብ ጸልማት - ብዘይ ኡፍታ፡
ንመንፈስ ሰላም ብምግዳፍ - ብጽንዓተይ
ይዅብልል ነበርኩ ኣብ ዓለም - ንብሕተይ።
CHORUS
ሓጋዚ ድኹማት ኣብ ጊዜ ጸበባ
መን ኣሎኒ ኣብ ዓለም ጐይታይ ብጀካኻ።
VERSE 2
ለዋህ ኣቦ ግን ጠሚቱ - ናብ ሕስራነይ
ኢዱ ዘርጊሑ ኣውጽኣኒ - ካብ ሓጢኣተይ፡
ንመስቀሉ ተሰኪመ ክመላለስ
ክምድብ ኣበርትዓኒ ቅዱስ መንፈስ።
CHORUS
ሓጋዚ ድኹማት ኣብ ጊዜ ጸበባ
መን ኣሎኒ ኣብ ዓለም ጐይታይ ብጀካኻ።
VERSE 3
ኣምላኸይ መጸግዒየይ እሙን ጐይታይ
ካባኻ ዝፈልያ መን'ዩ - ንሕይወተይ፡
ተመስገን ኣምላኸይ - ትኽበር መንግስትኻ
መን ኣሎ ርሕሩሕ መራሒ ብጀካኻ።
CHORUS
ሓጋዚ ድኹማት ኣብ ጊዜ ጸበባ
መን ኣሎኒ ኣብ ዓለም ጐይታይ ብጀካኻ።

