ሃበኒ ትምኒተይ
Lyrics
ሎሚ ዶ ኾን ጽባሕ ክብል ብሃንቀውታ
ንልመናይ ክትገብረሉ መፈጸምታ
ዓቕሚ ነፍሰይ ዓቕሚ ሰብ`ዩ ድሩት ዓቕሚ
ኦ ኢየሱሰይ ናባይ ጠምት ይኣኽለኒ
ይልምን ክረክብ ድላየይ
ክሕጎስ ባህ ክብለኒ ውሽጠይ
ጸሎተይ ስምዓኒ
ኩሉ ከም ፍቓድካ ይኹነለይ (2)
ለሚነ ክረክብ ድሌተይ
ጎይታይ ስማዕ ጸሎተይ
ክሕጎስ ባህ ክብለኒ ውሽጠይ
ከመስግን መላእ ዘመነይ
ብዝርእዮን ብዝሰምዖን እናቐናእኩ
`ታ ግዜኻ ንኽትኣክል ተረበጽኩ
ንዓ ጎይታይ ናባይ ጠምት ይኣኽለኒ
ቁስለይ ፈውስ ብመንፈስካ ደብሰኒ
ጎይታይ ውሽጠይ ክሕጎስ
ሃበኒ ትምኒተይ ኢየሱስ
ኣሚነ እምብርከኽ ኣብ ቤትካ
ክረክብ ኩሉ ከም ፍቓድካ
እዛ ነፍሰይ ካባኻ`ሞ ናበይ ተብል
ኦ ኢየሱሰይ ኣብ ጽላልካ`ያ ተጽልል
ብዘይካኻ መን ኣሎ`ሞ ተስፋ ዝህባ
ኦ ንጉሰይ ሓደራኻ ኣማዕቁባ
ይልምን ክረክብ ድላየይ
ክሕጎስ ባህ ክብለኒ ውሽጠይ
ጸሎተይ ስምዓኒ
ኩሉ ከም ፍቓድካ ይኹነለይ (2)
ለሚነ ክረክብ ድሌተይ
ጎይታይ ስማዕ ጸሎተይ
ክሕጎስ ባህ ክብለኒ ውሽጠይ
ከመስግን መላእ ዘመነይ
ስንቂ ደልየ ክረኽበካ ኣብ`ቲ ውሽጠይ
ጽን በለኒ ተቐበለኒ ጸሎተይ
መዓሙቐይ ብጸጋኻ የዕለቕልቆ
ንጸገመይ ብተስፋኻ ንኸሕምቖ
ጎይታይ ውሽጠይ ክሕጎስ
ሃበኒ ትምኒተይ ኢየሱስ
ዕልል ዕልል ክብል`የ
ከም ትህበኒ ይኣምን`የ (2)
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ሃበኒ ትምኒተይ
Habeni Tmnitey
Verse 1
ሎሚ ዶ ኾን ጽባሕ ክብል ብሃንቀውታ
ንልመናይ ክትገብረሉ መፈጸምታ
ዓቕሚ ነፍሰይ ዓቕሚ ሰብ`ዩ ድሩት ዓቕሚ
ኦ ኢየሱሰይ ናባይ ጠምት ይኣኽለኒ
Pre chorus
ይልምን ክረክብ ድላየይ
ክሕጎስ ባህ ክብለኒ ውሽጠይ
ጸሎተይ ስምዓኒ
ኩሉ ከም ፍቓድካ ይኹነለይ (2)
Chorus
ለሚነ ክረክብ ድሌተይ
ጎይታይ ስማዕ ጸሎተይ
ክሕጎስ ባህ ክብለኒ ውሽጠይ
ከመስግን መላእ ዘመነይ
Verse 2
ብዝርእዮን ብዝሰምዖን እናቐናእኩ
`ታ ግዜኻ ንኽትኣክል ተረበጽኩ
ንዓ ጎይታይ ናባይ ጠምት ይኣኽለኒ
ቁስለይ ፈውስ ብመንፈስካ ደብሰኒ
Chorus
ጎይታይ ውሽጠይ ክሕጎስ
ሃበኒ ትምኒተይ ኢየሱስ
ኣሚነ እምብርከኽ ኣብ ቤትካ
ክረክብ ኩሉ ከም ፍቓድካ
Verse 3
እዛ ነፍሰይ ካባኻ`ሞ ናበይ ተብል
ኦ ኢየሱሰይ ኣብ ጽላልካ`ያ ተጽልል
ብዘይካኻ መን ኣሎ`ሞ ተስፋ ዝህባ
ኦ ንጉሰይ ሓደራኻ ኣማዕቁባ
Pre chorus
ይልምን ክረክብ ድላየይ
ክሕጎስ ባህ ክብለኒ ውሽጠይ
ጸሎተይ ስምዓኒ
ኩሉ ከም ፍቓድካ ይኹነለይ (2)
Chorus
ለሚነ ክረክብ ድሌተይ
ጎይታይ ስማዕ ጸሎተይ
ክሕጎስ ባህ ክብለኒ ውሽጠይ
ከመስግን መላእ ዘመነይ
Verse 4
ስንቂ ደልየ ክረኽበካ ኣብ`ቲ ውሽጠይ
ጽን በለኒ ተቐበለኒ ጸሎተይ
መዓሙቐይ ብጸጋኻ የዕለቕልቆ
ንጸገመይ ብተስፋኻ ንኸሕምቖ
Chorus
ጎይታይ ውሽጠይ ክሕጎስ
ሃበኒ ትምኒተይ ኢየሱስ
ዕልል ዕልል ክብል`የ
ከም ትህበኒ ይኣምን`የ (2)

