ብዘይካኻ ካልእ ጽቡቕ የለን
Lyrics
ወትሩ ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ህይወተይ
መሊሱ ይደምቕ ይኹላዕ መንፈስ ኣእምሮይ
ፍቕርኻ ይዛይድ የንጀርብብ ኣብ ልዕለይ
ጎይታየ መድሕነይ ወትሩ ክበረለይ
ጎይታየ መድሕነይ ልዕል በለለይ
ብዘይካኻ ካልእ የለን
ንስኻ ኢኻ ኣንታ ለዋህ ኢየሱስ
ኣነ ናባኻ‘የ ዝጽጋዕ ሓልወኒ ጎይታ/ኢየሱስ
ጎይታ ልዑል መድሓኒ
እምባይ ዋልታይ ኖኣይ መጽለሊ
ብዘይካኻ መን ኣሎ ፈጣሪ
ጎይታ ኩሉ ፍጥረት መጽለሊ
ኣነ ብዘይካኻ መን ኣሎኒ
ኣነ ኣብ ሕቑፍኻ ይሕሸኒ
ጎይታይ ንስኻ እንሆ ይውድሶ ክንዲ ኩሉ ንዓይ ዝኾንካኒ
ንስምካ ይባርኽ ኣሎ ልበይ ደስ እናበሎ
የመስግን ኣሎኹ ኣብ ዘለኹ ሃልየ
ተመስገን‘ዩ ቛንቛይ(2) ድማ ክብል`የ(2)
ንስኻ ንሓጥኣተይ ትሓድገለይ
ንኹሉ ጸገማተይ ትፈትሓለይ
ካብ ጥፍኣት ንሂወት ትመልሰኒ
ዘልኣለማዊ ምሕረት ተልብሰኒ
ኣንታ ርሕሩሕ ፈቃር ኣምላኸይ
ርሕራሔኻ ይነግስ ኣብ ልበይ
ንስኻ ኢኻ ክንዲ ኩሉ ንዓይ
ንውዕለትካ ክነግር ልሳነይ
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ብዘይካኻ ካልእ ጽቡቕ የለን
Bzeykaka Kali Tsbuq Yelen
VERSE 1
ወትሩ ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ህይወተይ
መሊሱ ይደምቕ ይኹላዕ መንፈስ ኣእምሮይ
ፍቕርኻ ይዛይድ የንጀርብብ ኣብ ልዕለይ
ጎይታየ መድሕነይ ወትሩ ክበረለይ
ጎይታየ መድሕነይ ልዕል በለለይ
VERSE 2
ብዘይካኻ ካልእ የለን
ንስኻ ኢኻ ኣንታ ለዋህ ኢየሱስ
ኣነ ናባኻ‘የ ዝጽጋዕ ሓልወኒ ጎይታ/ኢየሱስ
VERSE 3
ጎይታ ልዑል መድሓኒ
እምባይ ዋልታይ ኖኣይ መጽለሊ
ብዘይካኻ መን ኣሎ ፈጣሪ
ጎይታ ኩሉ ፍጥረት መጽለሊ
VERSE 4
ኣነ ብዘይካኻ መን ኣሎኒ
ኣነ ኣብ ሕቑፍኻ ይሕሸኒ
VERSE 5
ጎይታይ ንስኻ እንሆ ይውድሶ ክንዲ ኩሉ ንዓይ ዝኾንካኒ
ንስምካ ይባርኽ ኣሎ ልበይ ደስ እናበሎ
የመስግን ኣሎኹ ኣብ ዘለኹ ሃልየ
ተመስገን‘ዩ ቛንቛይ(2) ድማ ክብል`የ(2)
VERSE 6
ንስኻ ንሓጥኣተይ ትሓድገለይ
ንኹሉ ጸገማተይ ትፈትሓለይ
ካብ ጥፍኣት ንሂወት ትመልሰኒ
ዘልኣለማዊ ምሕረት ተልብሰኒ
VERSE 7
ኣንታ ርሕሩሕ ፈቃር ኣምላኸይ
ርሕራሔኻ ይነግስ ኣብ ልበይ
ንስኻ ኢኻ ክንዲ ኩሉ ንዓይ
ንውዕለትካ ክነግር ልሳነይ

