ኣበርትዓኒ ብመንፈስ
Lyrics
ኣብ ናይ ጽዮን ጉዕዞ ኣሎ ብርቱዕ ቃልሲ
ሕይወተይ ዝሕሉ ምስ ድኅነት ናይ ነፍሲ፡
ኣነ ኣይክእል ብኢደይ ክዋጋእ
ጐይታ ኣብርትዓኒ ብመንፈስካ ምጻእ።
ኃይሊ ሃብ ጐይታ ኢየሱስ ኃይሊ ሃብ፡
ኃይሊ ሃብ ብመንፈስካ ንኽብርካ (2)
ናይ ነፍሰይ ሃረርታ ፈላጢ ጉዳያን
ንስኻ ኢኻ ኢየሱስ ጐቦኣን እንባኣን፡
ፍቅርካ ይሕሸኒ ኵሉ ሓዲገ'የ
ኢየሱሰይ ገጽካ ብጣዕሚ ናፊቐ።
ንዓ ምራሕ ንገዛኻ ንዓ ምራሕ
ንዓ ምራሕ ንገዛኻ ኢየሱስ።
ተጐዕዝቲ ጽዮን ተስፋ ኣይትቑረጹ
ኮረቢት ስንጭሮ ንኵሉ ስገሩ፡
ንመስቀሉ ኂዝኩም ንቕድሚት ገስግሱ
ስቓይኩም ኃሊፉ ምስ ኢየሱስ ክትነግሱ።
መራሒኹም ኢየሱስ'ዩ መራሒኹም
ኣሎኹም ኣብ ቅድሜኹም ኣይዞኹም።
ጭንቂ እንተኾነ ናይ ሕይወት ጐቦታት
ጐይታ ኢየሱስ ኣሎ ንጉስ ናይ ነገስታት፡
ምግሩምራም ጸላኢ ንኸየጥቅዓካ
ተዋጋኢ ኣምላኽ ዳዊት እንከለካ።
መራሒና ኢየሱስ'ዩ መራሒና
ኣሎና ኣብ ቅድሜና ኣይዞና።
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ኣበርትዓኒ ብመንፈስ
Abertani bmenfes
VERSE 1
ኣብ ናይ ጽዮን ጉዕዞ ኣሎ ብርቱዕ ቃልሲ
ሕይወተይ ዝሕሉ ምስ ድኅነት ናይ ነፍሲ፡
ኣነ ኣይክእል ብኢደይ ክዋጋእ
ጐይታ ኣብርትዓኒ ብመንፈስካ ምጻእ።
CHORUS
ኃይሊ ሃብ ጐይታ ኢየሱስ ኃይሊ ሃብ፡
ኃይሊ ሃብ ብመንፈስካ ንኽብርካ (2)
VERSE 2
ናይ ነፍሰይ ሃረርታ ፈላጢ ጉዳያን
ንስኻ ኢኻ ኢየሱስ ጐቦኣን እንባኣን፡
ፍቅርካ ይሕሸኒ ኵሉ ሓዲገ'የ
ኢየሱሰይ ገጽካ ብጣዕሚ ናፊቐ።
CHORUS
ንዓ ምራሕ ንገዛኻ ንዓ ምራሕ
ንዓ ምራሕ ንገዛኻ ኢየሱስ።
VERSE 3
ተጐዕዝቲ ጽዮን ተስፋ ኣይትቑረጹ
ኮረቢት ስንጭሮ ንኵሉ ስገሩ፡
ንመስቀሉ ኂዝኩም ንቕድሚት ገስግሱ
ስቓይኩም ኃሊፉ ምስ ኢየሱስ ክትነግሱ።
CHORUS
መራሒኹም ኢየሱስ'ዩ መራሒኹም
ኣሎኹም ኣብ ቅድሜኹም ኣይዞኹም።
VERSE 4
ጭንቂ እንተኾነ ናይ ሕይወት ጐቦታት
ጐይታ ኢየሱስ ኣሎ ንጉስ ናይ ነገስታት፡
ምግሩምራም ጸላኢ ንኸየጥቅዓካ
ተዋጋኢ ኣምላኽ ዳዊት እንከለካ።
CHORUS
መራሒና ኢየሱስ'ዩ መራሒና
ኣሎና ኣብ ቅድሜና ኣይዞና።

