ማርያም ዝያዳ ሞጎሳ
Lyrics
ክብረቱ ክምለስ እቲ ሕዙን ኣዳም
ነኣኺ ተዋህቦ ምልክት ኪዳን
መድሓኒ ክትወልዲ ክትዘርእሉ ሂወት
ሓዘኑ ክድበስ ክብረቱ ክምለስ
ማርያም ዝያዳ ሞጎሳ
ሰብ ክነሳ ፈጣሪ ጸይራቶ ኣብ ከርሳ (2)
ካብ ኣንስቲ እስራኤል ማርያም ተመሪጻ
ንፍቓድ እግዚኣብሄር ኣብ ልባ ሃኒጻ
ማህጸና ንመሲሕ ኢየሱስ ተፈቒዱ
ንኣና ክድብስ ካብ ሰማይ ወሪዱ
ማርያም ዝያዳ ሞጎሳ
ሰብ ክነሳ ፈጣሪ ጸይራቶ ኣብ ከርሳ (2)
ልባስኪ ድኽነት ስልማት ትሕትና
ኣምላኽ ዝመረጻ ፍጽምቲ ንጽህና
ብኹሉ ውህበቱ ሸለመኪ ክብሪ
ንግስቲ ትሕትና ማርያም ሉል ባሕሪ
ማርያም ዝያዳ ሞጎሳ
ሰብ ክነሳ ፈጣሪ ጸይራቶ ኣብ ከርሳ (2)
ካብ ትሕትናኺ ትሕቲ
ካብ ምልኣት ጸጋ ምልእቲ
ፍቓድ እግዚኣብሄር ብምምላእ
ኣኽሊል ዓወትኪ ዓቲርኪ
ዝያዳ ኩሉ ፍጥረት ሞጎስ ውን ረኺብኪ (2)
ማርያም (3)
ዝያዳ ካብ ኩሉ ፍጥረት ደቂ ኣዳም (2)
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ማርያም ዝያዳ ሞጎሳ
Mariyam zyda mogosa
VERSE 1
ክብረቱ ክምለስ እቲ ሕዙን ኣዳም
ነኣኺ ተዋህቦ ምልክት ኪዳን
መድሓኒ ክትወልዲ ክትዘርእሉ ሂወት
ሓዘኑ ክድበስ ክብረቱ ክምለስ
CHORUS
ማርያም ዝያዳ ሞጎሳ
ሰብ ክነሳ ፈጣሪ ጸይራቶ ኣብ ከርሳ (2)
VERSE 2
ካብ ኣንስቲ እስራኤል ማርያም ተመሪጻ
ንፍቓድ እግዚኣብሄር ኣብ ልባ ሃኒጻ
ማህጸና ንመሲሕ ኢየሱስ ተፈቒዱ
ንኣና ክድብስ ካብ ሰማይ ወሪዱ
CHORUS
ማርያም ዝያዳ ሞጎሳ
ሰብ ክነሳ ፈጣሪ ጸይራቶ ኣብ ከርሳ (2)
VERSE 3
ልባስኪ ድኽነት ስልማት ትሕትና
ኣምላኽ ዝመረጻ ፍጽምቲ ንጽህና
ብኹሉ ውህበቱ ሸለመኪ ክብሪ
ንግስቲ ትሕትና ማርያም ሉል ባሕሪ
CHORUS
ማርያም ዝያዳ ሞጎሳ
ሰብ ክነሳ ፈጣሪ ጸይራቶ ኣብ ከርሳ (2)
VERSE 4
ካብ ትሕትናኺ ትሕቲ
ካብ ምልኣት ጸጋ ምልእቲ
ፍቓድ እግዚኣብሄር ብምምላእ
ኣኽሊል ዓወትኪ ዓቲርኪ
ዝያዳ ኩሉ ፍጥረት ሞጎስ ውን ረኺብኪ (2)
CHORUS
ማርያም (3)
ዝያዳ ካብ ኩሉ ፍጥረት ደቂ ኣዳም (2)