ቅዱስ ሓዊ`ዩ
Lyrics
ህይወትካ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ዝበለጸት
ብዋጋ ደም ጎይታ ዝተረኽበት
ብበረኸትን ጸጋን ዝተኸበት
ክትረክብ ኢያ ዓስቢ ናይ ዓወት (2)
ቅዱስ ሓዊ`ዩ እህህታኻ
ቅዱስ ሓዊ`ዩ ዝኽርታትካ
ቅዱስ ሓዊ`ዩ ምጽባይካ
ቅዱስ ሓዊ`ዩ ዘንድደካ
ወርቂ ምዃንካ ትነግረሉ
ክቡር ኣቕሓ`የ እትብለሉ
እናነደድካ ዘይትሓረሉ
እኳ ደኣ ትኹልዓሉ
ቅዱስ ሓዊ`ዩ
ዝለመንካዮ እንተዘይረኸብካ
ኣዝዩ እንተነውሐ ምጽባይካ
`ቲ እሙን ጎይታ ካብ`ቲ ትሓስቦ
ኣዝዩ ዝበልጽ ቀሪቡልካ`ሎ (2)
መቕጻዕትኻ ንሰናይካ`ዩ
ምስ`ዛ ዓለም ከይትኹነን`ዩ
ውሉድ ምዃንካ መረጋገጺ
ከም ዘሎካ ፈቃር ወላዲ (2)
ሰላም ህይወትካ እንተተዘርገ
ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፉእ እንተበዝሐ
ሰብ ዘይብልካ እንተመሰለካ
ንሰብ ዝፈጠረ ኣሎ ምሳኻ (2)
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ቅዱስ ሓዊ`ዩ
Qdus Hawi Eyu
Verse 1
ህይወትካ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ዝበለጸት
ብዋጋ ደም ጎይታ ዝተረኽበት
ብበረኸትን ጸጋን ዝተኸበት
ክትረክብ ኢያ ዓስቢ ናይ ዓወት (2)
Chorus
ቅዱስ ሓዊ`ዩ እህህታኻ
ቅዱስ ሓዊ`ዩ ዝኽርታትካ
ቅዱስ ሓዊ`ዩ ምጽባይካ
ቅዱስ ሓዊ`ዩ ዘንድደካ
ወርቂ ምዃንካ ትነግረሉ
ክቡር ኣቕሓ`የ እትብለሉ
እናነደድካ ዘይትሓረሉ
እኳ ደኣ ትኹልዓሉ
ቅዱስ ሓዊ`ዩ
Verse 2
ዝለመንካዮ እንተዘይረኸብካ
ኣዝዩ እንተነውሐ ምጽባይካ
`ቲ እሙን ጎይታ ካብ`ቲ ትሓስቦ
ኣዝዩ ዝበልጽ ቀሪቡልካ`ሎ (2)
Verse 3
መቕጻዕትኻ ንሰናይካ`ዩ
ምስ`ዛ ዓለም ከይትኹነን`ዩ
ውሉድ ምዃንካ መረጋገጺ
ከም ዘሎካ ፈቃር ወላዲ (2)
Verse 4
ሰላም ህይወትካ እንተተዘርገ
ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፉእ እንተበዝሐ
ሰብ ዘይብልካ እንተመሰለካ
ንሰብ ዝፈጠረ ኣሎ ምሳኻ (2)