ኣማኑኤል
Lyrics
ናይ ኣዳም ውድቀቱ ኣውዲቑኒ ነይሩ
እቲ ዕቡይ ስሕተቱ ኣስሒቱኒ ነይሩ
ብርሃነይ ክስእኖ ላዕልን ታሕትን ኢለ
ክጭነቕ ከንጸርጽር ዝገብሮ ስኢነ
ንጸልማተይ፡ ብርሃነይ ክገብሮ
ባርነተይ፡ ዘልኣለም ከጥፍኦ
ንዓይ ኣምላኽ፡ ካብ ኣምላኽ መጺኡለይ
ተስፋ ምድሓን፡ ረኺባ`ላ ነፍሰይ
ተስፋ ምድሓን፡ ረኺባ`ላ ነፍሰይ
ቀረባን ርሑቕን፡ ንኹሉ ከሕብሮ
ደጊም ምፍልላይ፡ ነበረ ክገብሮ
ከልካሊ ከተማ፡ ማእከል ዝነበረ
ጠቕሊሉ ከፍርሶ፡ መድሕነይ ተላዕለ
ከሕብረኒ ምስተን መጓሲኡ
ከውዕለኒ ኣብ ልሙዕ ሸኽኡ
እናሸበበ ካብ ሰማይ መጺኡ
ከኽብረኒ እቲ ክቡር ሓሲሩ
ከኽብረኒ እቲ ክቡር ሓሲሩ
ሕቡእ ዝነበረ ኣብ ሰማይ ሰማያት
ስዉርን ሽፉንን ናይ ኣምላኽ ምስጢራት
ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምድሓነይ ተስፋ
ተገሊጹ ሎሚ ለቢሱ`ውን ስጋ
ካብ ሰማያት፡ ኣብ ላዕሊ ዙፋኑ
ንድሕነተይ፡ ብትግሃት ነቒሉ
ንኽግለጽ፡ ናይ ክብርና ምስጢር
ትሕት ኢሉ እቲ ካብ ኩሉ ዝልዕል
ትሕት ኢሉ እቲ ካብ ኩሉ ዝልዕል
ኣማኑኤል (8)
ኣሜን ሃሌሉያ
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ኣማኑኤል
Amanuel
VERSE 1
ናይ ኣዳም ውድቀቱ ኣውዲቑኒ ነይሩ
እቲ ዕቡይ ስሕተቱ ኣስሒቱኒ ነይሩ
ብርሃነይ ክስእኖ ላዕልን ታሕትን ኢለ
ክጭነቕ ከንጸርጽር ዝገብሮ ስኢነ
VERSE 2
ንጸልማተይ፡ ብርሃነይ ክገብሮ
ባርነተይ፡ ዘልኣለም ከጥፍኦ
ንዓይ ኣምላኽ፡ ካብ ኣምላኽ መጺኡለይ
ተስፋ ምድሓን፡ ረኺባ`ላ ነፍሰይ
ተስፋ ምድሓን፡ ረኺባ`ላ ነፍሰይ
VERSE 3
ቀረባን ርሑቕን፡ ንኹሉ ከሕብሮ
ደጊም ምፍልላይ፡ ነበረ ክገብሮ
ከልካሊ ከተማ፡ ማእከል ዝነበረ
ጠቕሊሉ ከፍርሶ፡ መድሕነይ ተላዕለ
VERSE 4
ከሕብረኒ ምስተን መጓሲኡ
ከውዕለኒ ኣብ ልሙዕ ሸኽኡ
እናሸበበ ካብ ሰማይ መጺኡ
ከኽብረኒ እቲ ክቡር ሓሲሩ
ከኽብረኒ እቲ ክቡር ሓሲሩ
VERSE 5
ሕቡእ ዝነበረ ኣብ ሰማይ ሰማያት
ስዉርን ሽፉንን ናይ ኣምላኽ ምስጢራት
ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምድሓነይ ተስፋ
ተገሊጹ ሎሚ ለቢሱ`ውን ስጋ
VERSE 6
ካብ ሰማያት፡ ኣብ ላዕሊ ዙፋኑ
ንድሕነተይ፡ ብትግሃት ነቒሉ
ንኽግለጽ፡ ናይ ክብርና ምስጢር
ትሕት ኢሉ እቲ ካብ ኩሉ ዝልዕል
ትሕት ኢሉ እቲ ካብ ኩሉ ዝልዕል
OUTRO
ኣማኑኤል (8)
ኣሜን ሃሌሉያ