Eritrean Catholic Choirs and Performers
Discover the choirs, singers, worship teams, and church groups that preserve and perform Eritrean Catholic Mezmur.
Choir
መዘምራን ር. ኣ. ደብረ ኪዳነ-ምሕረት ኣስመራ
Asmara
ደብረ ኪዳነ-ምሕረት (መንበረ-ጵጵስና) ዓዲ/ከተማ - ኣስመራ ዕለተ-ንግደት ፡ 16 የካቲት (ግእዝ)
መዘምራን ደብረ መድኃኔ ዓለም ገጀረት
Asmara
ደብረ መድኃኔ ዓለም ዓዲ/ከተማ - ኣስመራ ዕለተ-ንግደት ፡ 27 ግንቦት (ግእዝ) ----- Most Holy Saviour Village/Town - Asmara Date of Patron Saint: - 27 May (Ge’ez)
መዘምራን ደብረ በኣታ ለማርያም
Asmara
በኣታ ማርያም ዓዲ/ከተማ - ኣስመራ ዕለተ-ንግደት ፡ 3 ታሕሳስ (ግእዝ)
ካቶሊካዊ ማሕበር መንፈስ ቅዱስ ተሓድሶ ኣመሪካ
Mahber Menfes Kedus (MMK) is an Association of Catholic faithful in the spirit of the Catholic Charismatic Renewal movement, started in 2006 by the late Abba Teklezghi Ocbaghiorghis. , O. S. Cist, from the O. L. of Fatima Cistercian Monastery, in Mount Laurel, NJ. We aim at helping members open up to the workings of the Holy Spirit and surrender to His plan in our lives. The mission is to be useful instruments in His hands, aware of the charisma showered on us for the building up of the Church. We are aware that through the Sacraments of Baptism and Confirmation that we are made children of the Father of Our Lord Jesus Christ, washed in the Blood from the Cross. We claim and appropriate the Salvation earned for us through Jesus’ sufferings, death and resurrection, and are anointed with the oil of the Holy Spirit. Together with all the baptized, we share in the Kingly priesthood, and the prophetic ministry of Jesus Christ, the Eternal high priest and the Word of the Father.
መዘምራን ቅዱስ እስጢፋኖስ ደግራ ልብኤ
መዘምራን ደብረ ፍልሰታ ለማርያም ሲታውያን
Asmara
ደብረ ፍልሰታ ለማርያም ዓዲ/ከተማ - ኣስመራ ዕለተ-ንግደት ፡ 16 ነሓሰ (ግእዝ) ( ድሕሪ ፍልሰታ ዘላ ሰንበት)
መዘምራን ደብረ ኪዳነ-ምህረት ሰምበል
Asmara
Our Lady of perpetual help Village/Town - Asmara Date of Patron Saint: - 16 February (Ge’ez)
መዘምራን ቅዱስ ዮሴፍ ላሰላውያን ከረን
St. Joseph’s Chapel | La Salle in Keren The Chapel of La Salle n Keren serves the community of brothers of Christian schools and the Students of St. Joseph primary and secondary school in Keren. The chapel also serves a relatively large segment of the the Keren Lalay catholic community. Mass is offered 7 days a week in this chapel.
መዘምራን ደብረ መድኃኔ ዓለም ኤደን (ዒላበርዕድ)
Eden / Elabered
Inauguration day of Holy Savior Church in Eden, November 19, 2006.
መዘምራን ደብረ ቅድስቲ ስላሴ ከረን
Keren
መዘምራን ር. ኣ. ቅዱስ ሚካኤል ከረን
Keren
ታሪኽ ቍምስና ቅዱስ ሚካኤል ከረን እዚ ሕዝቢ ናይ ሎሚ ዞባ ዓንሰባ ካብ ራብዓይ ዘመነ ምሕረት አትሒዙ ከም በዓል አባ ሊባኖስ መጣዕን አባ ሓኒን ብዝአመሰሉ ፈስለስቲ ስለ ዝተሰብከን በብግዜኡ ፈሊሶም ዝመጹ ክርስትያን ስለዝተጸንበሩዎን፤ ካብ ጥንቲ ክርስትያን ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይከአለ፣ እንተዀነ ብሰንኪ ካብ መናብር ጳጳሳትን ትምህርትን ብምርሓቅን ምክንያት ገዳማት ማህሚነን ካህናት ሰል ዝተሳእኑን እቲ ክባቢ ብወራራትን ሁከትን ስለ ዝተናወጸን እቲ ክርስትና ተዳኺሙ ነበረ፣ አባ ዮሓንስ እስተላን ዮሴፍ ሳፐቶን አብ 26 ነሓሴ 1851 ዓ.ም.ፈ. አብ ከረን ላዕላይ ምስ በጽሑ፤ ሓደ ብኣጉዶ ዝተሰርሐ ቤተ ክርስትያን ቤተ ማርያም አብ ዳዕሮ ተጸጊዑ ከም ዝጸንሖምን ይግለጽ፣ እቶም በጻሕቲ ድማ አብኡ ሕጻናት ከም ዘጠመቁ፤ አብቲ እዋን እቲ ሕዝበ ክርስትያን ከረን ልማዳዊ ሥርዓተ አምልኾ ዘካይዱሉ ቤተ ክርስትያን እኳ እንተ ነበሮም፤ ሰአን ቀደስትን ዓደልቲ ምሥጢራትን ካህናት አብ ዓቢይ ጸገም ወዲቆም ነበሩ፣ አብ 1854 አባ ዮሓንስ ካብ ባጽዕ ተመሊሶም ንተዘሚቶም ከሰላ ዝተወስዱ 340 ዝኾኑ አንስትን ሕጻናትን አምለሱ። ቀጺሎም አጕዶ ቤተ ክርስትያን ሰርሑ እሞ ንኣሽቱን ዓመይትን አጠመቁ፤ እዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ካብ 1854 ክሳብ 1858 አገልገለት፣ ታቦቱ ግን ማርያም ድዩ ነይሩ ቅዱስ ሚካኤል ብርግጽ አይፍለጥን። ቤተ ክርስትያን ከረን አብ ትሕቲ ኵስሚ ቅዱስ ሚካኤል ንመጀመርያ ጊዜ፤ አብ 1858 ዓ.ም.ፈ ብመረባዕ ተሰርሐት፣ እዚኣ ቤተ ክርስትያን እዚአ ክሳብ 1869 አገልጊላ ብአውሎ ንፋስ ምስ ወደቀት፤ እዛ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስትያን ተሰሪሓ አብ 1875 ዓ.ም.ፈ ተጸንበለት። ቀቅድሚ ምጽንባላ ግን ብ22 ኅዳር 1875 ብሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ጽንዓታ ተመስከረላ። ይኹን እምበር ድሕሪኡ ብሳዕቤን ዉዕሊ ዓድዋ (ምምላስ በጐስን ኢትዮጵያ) ጸጥታ ስለ ዝተዘርገ፤ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል አብ 12 ጥቅምቲ 1884 ዓም ብሰረቅቲ ተዘርፈ፣ ብተወሳኺ እታ ቤተ ክርስትያን እዚ ህልው ቅርጻ ክትሕዝ፤ አብ 1895-96 ብማሕበር ካፑቺኒ ጕልላትን እንዳ ደወልን ተማልአ። ኮይኑ ግን ውግእ ብዘስ ዓቦ ምኽንያት እቲ ሕንጻ ስለ ዝተጐድአ በብግዜኡ ምት ዕርራያት ተገይሩሉ። ንአብነት ድሕሪ ካልአይ ውግእ ዓለም ብ 1941 አውራ ድማ ብ 1977 ብቀዳማይ ኵናት ምሕራር ከረን፣ ቍምስና ቅዱስ ሚካኤል ከረን፤ እተን አብ ከባቢአ ዝርከባ ዓድታት ነፍሰን ክሳብ አኽ እላ’ውን የገልግል ነበረ፣ አብ አገልግሎት እተን አብ ምድሪ ብሊን ዝርከባ ዓድታት፤ እቶም ቆሞሳት አብ ዘርአ ክህነት ብዝርከቡ ካህናት ይሕገዙ ነበሩ። ብመሠረት አብ 1919 ዝቀረበ ጸብጻብ፤ አብ ትሕቲ ቍምስና ከረን፤ ከተማ ከረን ጁፋን ከባቢአን፤ በጉን ከባቢአን፤ ግላስን ከባቢአን፤ ሰዂናን ከባቢአን፤ ባምቢን ከባቢአን፤ ሕመራይን ከባቢአን ይጠቃለላ ነበራ፣ ብ 1930 ዓ.ም.ፈ እዘን ዝተጠቅሳ ከባቢታት፤ሥርዓተ ግዕዝ ብደረጃ መንበር ምስ ተተኽለ እቲ ቆሞስ ከረን ሊቀ ካህናት ተሰየመ፣ ንሱ ዘገልግለን ቍምስናታት ድማ ከተማ ከረን፤ ዓዲ ሓሸል፤ ገብሲ፤ ባምቢ፤ ፋፍዳን ጁፋን ኮና፤ አብ ጁፋን ባምቢን ግን ካህናት ዘርአ ክህነት እውን ክሕግዙ ተመደቡ፣ ቍምስና ቅዱስ ሚካኤል፤ ከም መንበረ ሊቀ ካህናትን ቦታ ወርሓዊ ረኪበ ካህናት ሰበኻ ከረንን መጠን፤ ካህን ንዘይብለን ቍምስናታት መተካእታ ብምቅራብ እውን አገልገለት። ንማሕበራዊ አገልግሎት ብዝምልከት፤ ደናግል ደቂ ፍቅሪ ካብ 1878 እንዳ ዘኽታማትን ሕክምናን፤ አሕዋት ላሳል ድማ ካብ 1949 ዓም ቤት ትምህርቲ ከፊቶም ነበሩ፣ እዛ ብአሕዋት ላሳለ እትመሓደር ቤት ትምህርቲ ካብ 1956 ጀሚራ ትምህርቲ ክርስቶስ ከምዝመሃረት መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ካብ 1970 ንነጀው ግን፤ እታ አብ 1931-32 ንሥርዓት ላቲን ከተገልግል ዝተሰርሐት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ አንጦንዮስን እታ ብ1967 ዝተሰርሐት ቤተ ጸሎት ቅዱስ ዮሴፍ ላሳለን፤ ከምኡ እውን፤ እታ ብ 1974 አቢሉ ዝተሰርሐት ቤተ ጸሎት ቅድስት ሥላሴ በዛ ባንዳ ንሕዝቢ ተደራቢ አገልግሎት ከወፍያ ጀመራ፣ አብ 1960’ታት ውግእ ምስ በዝሐ ሕዝቢ ም እንቲ ሕይወቱ ከድሕን ካብ በጉ፤ ጀንገረን፤ ሽናራን፤ ሻርክን ናብ ክረን ተሰደ። እዘን ዝተጠቕሳ ድማ ምስ ቍምስና ቅዱስ ሚካኤል ሓቢረን ነቶም ግፉ ዓት መንፈሳዊ አገልግሎት ክህባ ንረኽበን፣ ሎሚ ብዘይካ እተን መንፈሳዊ አገልግሎት ዝህባ አብያተ ክርስትያን ርእሰ አድባራት ደብረ ቅዱስ ሚካኤልን አብያተ ጸሎት ቅዱስ ዮሴፍን ቅዱስ አንጦንዮስን ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳን፤ ካልኦት ካቶሊካውያን ተቍዋማት፤ ከም ንንግደትን ጸሎትን ዚዝውተር ማርያም ደዓሪት፤ መዕበይን መእለይን ዘኽታማት ቅዱስቲ አኘስን እንዳ ፎካን፤ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ዮሴፍ ላሳል፤ መዋዕለ ሕጻናትን ቤት ትምህርቲ ቅድን ስፌትን ክዳን ቅድስት ሃና፤ ብማሕበር ደቂ ፍቅሪ ዝእለ መዋዕለ ሕጻናት፤ ቤት ትምህርቲ ቅድን ስፌትን ክዳን ገዛባንዳ፣ ከምኡ እውን በዘን ደናግል ዚካየዳ ሚኒ ሆስፒታል ዋሊኩን፤ ብማሕበር ተራዳእያት ዝእለ ቤት ማሕተም ... ወዘተ ይርከባ፣ አብ ርእሲ’ ዚ ብዘይካ እቲ ንኹሉ መንፈሳውን ማሕበራውን አገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዚመርሕን ዘካይድን መንበረ ጵጵስናን (ኤጳርቅና)፤ ንኡስ ዘርአ ክህነት ሰበኻ፤ ገዳማት ላሳለን ሲታውያንን ይርከብ።
መዘምራን ደብረ ፅንሰታ ማርያም
Asmara
ደብረ ፅንሰታ ማርያም ዓዲ/ከተማ - ኣስመራ ዕለተ-ንግደት ፡ 21 ኅዳር (ግእዝ)
ደብረ ማርያም ጽዮን
Asmara
ደብረ ማርያም ጽዮን ዓዲ/ከተማ - መንደፈራ ዕለተ-ንግደት ፡ 21 ሕዳር (ግእዝ)
መዘምራን ደብረ ቅ. ኣንጦንዮስ ኣስመራ
Asmara
መዘምራን ቅ. ሮዛርዮም ( ካቴድራል)
Asmara
ST. Rosarium (Cathedral) Village/Town - Asmara Date of Patron Saint: - 7 October G.C.
መዘምራን ማሕበር ሰላም ወሠናይ ደብረ ቅ. ኣንጦንዮስ ከረን
Keren
መዘምራን ር. ኣ. ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይቲ
Segeneyti
መዘምራን ደብረ ኪዳነ ምሕረት ደቀምሓረ
Dekemahre
Solo Singer
ዘማሪ ዳዊት ወልደሚካኤል
ዘማሪ ናትናኤል ኣማኑኤል
Gutheland
ኣባል መዘምራን ማሕበር ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ጉተላንድ ሽወደን
ኣባ ግርማይ ብርሃነ ማሕበር ሳሊዛውያን ዶን ቦስኮ
Asmara
Sam Carmel
London
OverviewBackground & Location: He is based in London, England, and serves the diaspora community of the Ge'ez rite Catholic Church. He frequently collaborates with local choirs such as Mezemran Medhanialem London.Musical Style: His music focuses on contemporary and traditional Mezmur sung primarily in Amharic and Tigrinya. His tracks utilize traditional horn-of-Africa rhythms blended with modern gospel arrangements and choral backing vocals.Digital Presence: He shares content via his dedicated CATHOLIC MEZMUR YouTube Channel, which hosts hundreds of spiritual videos, reflection tracks, and daily prayers.
ዘማሪ ሰመረ ዘርኦም
Adi Keyh
ዘማሪ ተመስገን ተስፋማርያም
Asmara