ጥፉአይ ተመለስ
Lyrics
ኦ መንእሰይ ኣስተውዕል ሃዲእካ
እስከ ሕሰብ ካብይ መጺእካ
ናበይ ትኸይድ እንና ራኣኻ
ምሕረተይ ጠምቶ ኣስተውዕለሉ ኢኻ (2)
ንቤተይ ንዒቕካ ጥንቆላ ኣሚንካ
ዓይናኻ ዓሚትካ ስራይ ተኸቲልካ
ኣምላኸይ ኣምላኸይ ትብለኒ ብኣፍካ
ሰብ ክፈትሖ ሂብካዮ ንሽግርካ
ኣይፋልካን ወደይ ቀናእ ኢየ ኣምላኽካ
ደጊምሲ ተመልስ ንሱ ይኣኽለካ
ብግብርኻ ንቤተይ ኣርኪስካ
ብምሕረተይ መሊስካ ሻዲንካ
ንኹራ ዶንጓይ ንምሕረት ቁልጡፍ
ሙዃነይ ረሲዕካ ካባይ ዓቢኻ
ንኸይተመኽኒ ቃለይ ኣንቢብካ
ንኸይትምለስ ልብኻ ሰዊርካ
ወደ’የ ተመለስ ምሕረት ክህበካ
ወይለኻ ኣታ እትፈርድ
ወይለኻ ብኣፍካ እትኹንን
ነፍስኻ ንሲኦል ኣይተድንን
ዓይንኻ ዘሎ ገፈል ከይረኣኻ
ከመይ ኢልካ ትርኢ በሰር ሓውኻ
ጸሓይን ብርሃንን ከይጸልመቱኻ
ዘክሮ ንኣምላኽካ ጠምት መጻኢኻ።
ተመለስ ወደይ ብግዜኻ ኣይትጻወት
ሰይጣን ብኣኻ ከይዕወት
ጽባሕሲ ናተይ ኢያ ናትካ ኣይኮነትን
ኽፍእን ክትገብር ኢልካ ኣይትሓልን
ካብቲ ቅዱስ ቤተይ ቤት ስራይ ጥንቆላ ዓብዩካ
ሰብ ክፈትሖ ኣብ ሓይሉ ኣሚንካ
ኣምላኸይ ኣምላኸይ እና በልካ ብኣፍካ
ንቅዱስ ቤተይ ብሓጥያት ኣርኪስካ
እረ ክሳብ መዓስ ኢኻ ብኽልተ እግርኻ ክትሕንክስ
ዘክሮባ ደመይ ምእንታኻ ክፈስስ
ግደፍ ግደፍባ ወደይ ተመለሰኒ
ድሌተይ ኣይኮንን ክትርሕቀኒ
ኣምላኸይ ኣምላኸይ በለኒ ብልብኻ
ብዘይካይ ካልእ ምልኪ ኣይሃልኻ
ሽዑ ኢየ ዝከብር ኣነ ብኣኻ
Comments(0)
Please sign in to comment
You need to be signed in to leave a comment or rating.
Sign in to leave a comment or rating.
Mezgeb Mezmur
Digital Archive & Worship Platform
ጥፉአይ ተመለስ
Tfuey Temeles
Chorus
ኦ መንእሰይ ኣስተውዕል ሃዲእካ
እስከ ሕሰብ ካብይ መጺእካ
ናበይ ትኸይድ እንና ራኣኻ
ምሕረተይ ጠምቶ ኣስተውዕለሉ ኢኻ (2)
Verse 1
ንቤተይ ንዒቕካ ጥንቆላ ኣሚንካ
ዓይናኻ ዓሚትካ ስራይ ተኸቲልካ
ኣምላኸይ ኣምላኸይ ትብለኒ ብኣፍካ
ሰብ ክፈትሖ ሂብካዮ ንሽግርካ
ኣይፋልካን ወደይ ቀናእ ኢየ ኣምላኽካ
ደጊምሲ ተመልስ ንሱ ይኣኽለካ
Verse 2
ብግብርኻ ንቤተይ ኣርኪስካ
ብምሕረተይ መሊስካ ሻዲንካ
ንኹራ ዶንጓይ ንምሕረት ቁልጡፍ
ሙዃነይ ረሲዕካ ካባይ ዓቢኻ
ንኸይተመኽኒ ቃለይ ኣንቢብካ
ንኸይትምለስ ልብኻ ሰዊርካ
ወደ’የ ተመለስ ምሕረት ክህበካ
Verse 3
ወይለኻ ኣታ እትፈርድ
ወይለኻ ብኣፍካ እትኹንን
ነፍስኻ ንሲኦል ኣይተድንን
ዓይንኻ ዘሎ ገፈል ከይረኣኻ
ከመይ ኢልካ ትርኢ በሰር ሓውኻ
ጸሓይን ብርሃንን ከይጸልመቱኻ
ዘክሮ ንኣምላኽካ ጠምት መጻኢኻ።
Outro
ተመለስ ወደይ ብግዜኻ ኣይትጻወት
ሰይጣን ብኣኻ ከይዕወት
ጽባሕሲ ናተይ ኢያ ናትካ ኣይኮነትን
ኽፍእን ክትገብር ኢልካ ኣይትሓልን
ካብቲ ቅዱስ ቤተይ ቤት ስራይ ጥንቆላ ዓብዩካ
ሰብ ክፈትሖ ኣብ ሓይሉ ኣሚንካ
ኣምላኸይ ኣምላኸይ እና በልካ ብኣፍካ
ንቅዱስ ቤተይ ብሓጥያት ኣርኪስካ
እረ ክሳብ መዓስ ኢኻ ብኽልተ እግርኻ ክትሕንክስ
ዘክሮባ ደመይ ምእንታኻ ክፈስስ
ግደፍ ግደፍባ ወደይ ተመለሰኒ
ድሌተይ ኣይኮንን ክትርሕቀኒ
ኣምላኸይ ኣምላኸይ በለኒ ብልብኻ
ብዘይካይ ካልእ ምልኪ ኣይሃልኻ
ሽዑ ኢየ ዝከብር ኣነ ብኣኻ

